ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ


ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሪስ
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሪስ

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይኸውን’ሎ: ህውከትን ዕንወትን ካብ መጠን ንላዕሊ ኾይኑ’ሎ ክብሉ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሪስ ኣፍሊጦም።

ኣንቶንዮ ጉተረስ ንኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ማሕበራዊ ምትእስሳር ተበቲኹ ድሕሪ ምባል ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ተፃብኦ ሕጂ ጠጠው ክብል ኣለዎ ሓይልታት ኤርትራ’ውን ብህፁፅ ካብ ኢትዮጵያ ክወፁ ኣለዎም ኢሎም።

"ብወታሃደራዊ ሓይሊ ኣይፍታሕን’ዩ ሰላማውያን ሰባት ዘሰንብድ ዋጋ ይኸፍሉ’ለዉ" ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ እቲ ብዘይ ኣፈላላይ ዝግበር መጥቃዕቲ ኣብ መንበሪ ከባቢታት ብመዓልቱ ተወሰኽቲ ንፁሃት ሰባት ይቀትልን ወሳget'ኒ ዝኾነ ትሕቲ ቀርፂ ይጎድእን ንወሰንቲ ኣገልግሎታት ኸኣ ይገትእን’ሎ ኢሎም።

ዘሰንብድ ፆታዊ ዓመፅን ካልኦት ጭቖናን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ደቂ ተባዕትዮን ንሰምዕ‘ለና ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ ኩሎም ወገናት ንዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩ ኣለዎም ኢሎም’ለዉ።

XS
SM
MD
LG