ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ዋና ኣመሓዳሪ ሲዳማ ኣብ ጉዳይ ህዝበ ውሳነ


ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ
ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ

ቐፃሊ ስራሕ ምምሕዳር ሲዳማ ምርግጋፅ ሰላምን ህዝብታት ድማ ሓቢሮም ዝነብሩሉን ዝዓብይሉን ምቹእ ኩነታት ምፍጣር እዩ ኢሎም ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ::

እቶም ዋና ኣማሓዳሪ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተጀመረ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ መርኣያ እዩ ኢሎም::

ዋና ኣማሓዳሪ ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ህዝበ ውሳነ ብሰላማዊ መንገዲ ምዝዛሙ ሓቢሮም:: ህዝቢ ሲዳማ ክልል ኮይኑ ክውደብ ንዘመናት ክሓትት ጸኒሑ እዩ: ኮይኑ ግና መራሕቲ ቅድሚ ሐጂ ስለዘይመለስዎ ዋጋ ኣኽፊሉና እዩ ኢሎም:: ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚንስትር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ድሕሪ ምምፅኡ ግና ሕቶ ህዝቢ ሲዳማ ክምለስ ክኢሉ እዩ:: እዚ ዕውት ክኸውን ንዝገብሩ ክምስገኑ ይግባእ ኢሎም::

ኣይተ ደስታ እቲ ህዝበ ውሳነ ሰላማዊ: ዲሞክራሲያዊን ፍትሓውን ኮይኑ ተዛዚሙ እዩ: ኣብዚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ድማ ዓብዪ ተመክሮ ክኸውን እዩ ኢሎም:: ኣብዚ ሐጂ እዋን ኣብ ጣብያታት ምርጫ ይልጠፉ ዘለዉ ውፅኢት ከምዘመላኽቶ ዝበዝሕ ህዝቢ ሲዳማ ክልል ክኸውን ከምዝደልይ ዘመላኽት እዩ ዝበሉ ኣመሃዳሪ ሲዳማ፡ ቐፃሊ ስራሕ ምምሕዳር ሲዳማ ምርግጋፅ ሰላምን ብሓባር ናይ ምንባር ባህሊ ምሕያልም ኢዩ ኢሎም::

ኣብ ሲዳማ ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተጀመረ ከይዲ ህንፀት ዲሞክራሲ መርኣያ እዩ ክብሉ ኣይተ ደስታ ላዴሞ ወሲኾም ሓቢሮም:: ንሶም ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ: ሲዳማ ክልል ኾይኑ ተተወዲቡ ኣብዛ ሃገር ይጣየሽ ብዘሎ ሓዱሽ ውሁድ ውድብ: ብልፅግና ክምራሕ እዩ እውን ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መግለጺ ዋና ኣመሓዳሪ ሲዳማ ኣብ ጉዳይ ህዝበ ውሳነ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:35 0:00


XS
SM
MD
LG