ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት


ፋይል
ፋይል

ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ክልል ትግራይ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ረድኤት ብዘይምርካቦም እቲ ኩነታት ሕዚ እውን ዝኸፍአ እዩ ኢሎም ።

ንሶም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብቲ ክልል ብፍላይ ድማ ክልተ ሲሶ ህዝቢ ኣብ ዝነበረሉ ገጠር ቁጠባዊ ምንቅስቓስ፣ ኤሌክትሪክ፣መራኸብን መሰረታዊ ቀረባትን ምትዕንቓፉ ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም።

ባንኪ ብዘይካ ኣብ ዋና ከተማ መቐለ ዕፁው ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ፤እዚ ድማ ናይ ረድኤት ትካላትን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዝህቡ ካልኦት ኣካላትን ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ኵናት ኣብ እዋን ምሕፋስ ምህርቲ ብምጅማሩ እኽሊ ከይትኣከበ ብምትራፉ ኣብ ዕዳጋ ሕፅረት መግቢ ከምዘሎ ይግለፅ ኣሎ ኢሎም።

ኣስታት 80 ሚእታዊት ሆስፒታላት ናይቲ ክልል ካብ ስራሕ ወፃኢ ምዃነን ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝኣምን ወሲኾም ገሊፆም።

እቶም ወሃቢ ቃል እቲ ግጭት ካብ ዝጀምር ኣስታት 1.3 ሚሊዮን ህጻናት ኣገልግሎት ትምህርቲከምዘይረኽቡን መብዛሕቲኦም ኣብያተ ትምህርቲ ድማ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ኣለው ኢሎም።ቆልዑት ካብ ስድርኦም ዝተፈላለዩ ከምዘለውን ብኣስገዳድ ናይ ምምልማን ከበድቲ ክስታት ፆታዊ ዓመፅን ኣብ ፆታ መሰረት ዝገበረ ህውከትን ፀብፃባት ከምዘለው ሓቢሮም።

ንሶም ወሲኾም ቀፃሊ ግጭት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥ ኣፀጋሚ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ዱጃሪክ ንዝተፀገሙ ህፁፅ ረድኤትን ሓለዋን ንምሃብ ዝተማልአ፣ቅልጡፍ፣ውሑስን ብዘይ ዕንቅፋት ንምእታው ክፍቀድን ፃውዒትና ይቕፅል ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ቀረባ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዘካየዱዎ ፅምዶ ውፅኢት ምምፅኡ እውን ተተባቢዕና ኢሎም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG