ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ

"መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይን፣ ተጻብኦ ብቅጽበት ደው ኣቢሎም፣ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ስምምዕነት ንክበጽሑ" ኣመሪካ ክትጽውዕ ምጽንሓ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ገሊጹ።

ኔድ ፕረይስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ሞንጎ ዝቀረቡ ሕቶታት ሓደ 'ኣመሪካ ንሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ እያ ትድግፍ" ዝብል ቅሬታ ንዘለዎም ሰባት ዘለካ መልሲ እንታይ እዩ ዝብል ነይሩ።

ኔድ ፕራይስ ክምልስ ከሎ "ንሕና ንሰላም ኢና ንድግፍ፣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ህድኣትን ጸጥታን ኢና ንምነ። መልእኽትና ንጹር እዩ፣ ክልቲኦም ወገናት ብልዝብ ኣብ ስምምዕነት ይብጽሑ ዝብል እዩ" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ወሲኹ "ብዛዕባ ኤርትራን ሰበ ስልጣን ኤርትራ’ውን ዘለና መርገጺ ንጹር እዩ። ሰራዊቶም ናብ ዶቦም ብቅጽበት ይስሓቡ፣ ከምኡውን ኤርትራን ካልኦትን ነቲ ውግእ ካብ ምጉህሃር ይቆጠቡ" ዝብል እዩ ኢሉ።

ናብ ኔድ ፕራይስ ዝቀረበ ካልእ ሕቶ ጉዳይ ኣግዋ እዩ። ምምሕዳር ባይደን ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣመሪካ ካብ ቀረጽ ናጻ ዘእቱ ዕድል ኣግዋ ናብ ንቡር ክመልሶ ድዩ ዝብል ነይሩ። ኔድ ፕራይስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ "ዕድል ኣግዋ ኣብ ሕጊ ዝተመስረተ እዩ። ረቋሒታት ኣለዎ። ኢትዮጵያ ነቲ ረቋሒታት ምስ ተማልእ ዘይትምለሰሉ ምኽንያት አይክህሉን" ከምዝበለ ዝመጸና ዜና ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG