ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ


ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዝተሰርሐ ስራሕ ዘዕግብ ውፅኢት ተረኺቡ ኢሎም ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ካብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ጀሚሩ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ክሳብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ስራሕ ዲፕሎማሲ ተፀሚዶም ቀኒዮም ኣለው።

እቶም ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንፍሉይ ጉጅለ ልኡኽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ናይ ወፃኢ ኣካላትን ህወሓት ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ዝፈፀሞም ገበናትን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ስጉምቲን ሕጊ ንምኽባር ምዃኑ ኣብሪሆምሎም ኢሎም ።

ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደመቀ መኮነን ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ጎረቤት ሃገራትን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳን ዘካየድዎ ስራሕ ዘርዚሮም።

"ብፍላይ እቲ ስርሒት ብዓወት ድሕሪ ምዝዛሙ ናይ ስልኪ ምይይጥ ኣካይዶም እዮም።ቀንዲ ዝተልዓሉ ነገራት እቲ ወታሃደራዊ ስርሒት ብዝተሓተ ኪሳራ ከምዝተሰርሐ፣ዳግም እግሪ ምትካልን ኣብ ውሽጢ ይኹን ናብ ወፃኢ ዝተመዘበሉ ናይ ምምላስ ስራሕ ምጅማሩ እዩ።"

ናብ ልዝብ ምእታው ዝምልከት ብገለ ወገናት ብዛዕባ ዝለዓል ዝተጣየሸ ናይ ትግራይ ናይ መሰጋገሪምምሕዳር ስለዘሎ ኣድላይ እንትኾይኑ ምስኡ ልዝብ ምክያድ ከምዝከአል ምስ ስቪል ማሕበረሰብን ሽማግለ ዓድን ምዝርራብ ከምዝክኣል ሕጊ ብምጥሓስ ምስ ዝድለዩ ወገናት ግን ምዝርራብ ከምዘይሕሰብ ገሊፆምሎም ።

XS
SM
MD
LG