ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኮሚሽን ሰ/መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ጥሕሰታት


ላዕለወይቲ ምኽትል ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ናዳ ኣልናሺፍ
ላዕለወይቲ ምኽትል ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ናዳ ኣልናሺፍ

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምኳን ኣብ ዘካየዶ ሓባራዊ መርመራ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝተፈፀመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዋላ መጠኑ ይፈላለ ንሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሓይልታት ትግራይን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ተሳተፍቲ ምንባሮም ዝረኸቦ ውፅኢት ይሕብር ክብል እዩ እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እቶም ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጥሕሰታት ዓለምለኸ ሕግታት ሰብኣዊነትን ስደተኛታትን ዝሓወሱ ኾይኖም ፤ገሊኦም ብዓለምለኸ ገበን ከሕትቱ ዝኸእሉ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ዝኣምሰሉ ፍፃመታት ይርከብዎም ክብላ ነቲ ፀብፃብ ዘቕረባ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለወይቲ ምኽትል ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ናዳ ኣልናሺፍ ገሊፀን።

እዚ ሪፖርት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ንኹሎም ተፃባእቲ ወገናት ግፍዕታትን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጠጠው ከብሉ፣ ሲቪል ማሕበረስብን ትካላቱን ካብ መጥቓዕቲ ንምክልካል ኩሎም ኣድለይቲ ዘበሉ ስጉምትታት ክወስዱ ብዘይ ቅድመ ኩነት ጎንፂ ጠጠው ኣቢሎም ዕንቅፋታት ሰብኣዊ ሓገዛት ከልዕሉ ዝበሉ ሓበሬታታት ዝሓቘፈ ምዃኑ ተዛሪበን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG