ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቤንሻንጉል ዝተፈጸመ ቅትለት


መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቤንሻንጉል ዝተፈጸመ ቅትለት
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:58 0:00

መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቤንሻንጉል ዝተፈጸመ ቅትለት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ) ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ሬሳታትን ሓደ ሰብ ብህይወቱን ብሓዊ ከምዝተቓጸሉ ምርግጋጹ ብምምልካት፡ ነቲ ተግባር ኣትሪሩ ኮኒኑ ኣሎ።

መንግስቲ’ውን ንፈጸምቲ እቲ ተግባር ዝግበኦም ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኢሰመኮ ንምስክራት ኣዘራሪቡ ከምዘጻረዮ፡ ለካቲት 24 ፣2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል፡ ጉባ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ፥ ኣይሲድ ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ፡ ሓደ ብህይወቱ ዝነበረ ሰብ ዝርከቦም ሬሳታት፥ ብሓዊ ናይ ምቅጻል ተግባር ብኣባላት ጸጥታ መንግስትን ካልኦት ሰባትን ምፍጻሙ ኣረጋጊጸ`ለኹ ኢሉ`ሎ።

እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ነቲ ክስተት መበገሲ ዝኾነ፡ ቅድሚኡ ዝነበረ መዓልቲ፡ ብውሕዱ 20 ኣባላት ጸጥታን ሲቪላትን ብዕጡቓት ከምዝተቐትሉ`ውን ኣረጋጊጸ'ለኹ ይብል ።

ኢሰመኮ ነቶም ዝድለዩ ዝነበሩ ቀተልቲ`ዮም ዝተባህሉ ዕጡቓት ኣብ ምሓዝ ኣብ ዝነበረ ፍተሻ፡ ኣብ ቀረባ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዞባ መተከል ተፈቲሖም፡ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ወረቐት ሒዞም ናብ መንበሪኦም ዝተመልሱ ነበርቲ ከባቢ ንዝኾኑ ሸሞንተ ተወለድቲ ትግራይ "ንስኻትኩም ኢኹም ሓበረታ ብምሃብ እቲ መጥቃዕቲ ንኽፍጸም ዝገበርኩም" ኢሎም ካብ ዝተሳፍርዋ መኪና ከምዘውረድዎምን፡ ምስ ፈተሽዎም ድማ ሓንቲ ወተሃደራዊ መራኸቢ ረድዮ፡ ዝተፈላለዩ ስእልታትን ልዕሊ 40 ሺሕ ብር ገንዘብን ከም ዝተረኸብሎም ፡ ድሕሪኡ እቶም ኣባላት ጸጥታ ነቶም ተጠርጠርቲ እናሃረሙ ተወሳኺ ሓበረታ ክሓቱ ጀሚሮም ይብል ።

ድሕሪ`ዚ ካብ መንጎ`ቶም ተጠርጠርቲ ሓደ ፡"ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢድና ኣለዎ፡ ኣብ ባምዛ ከምኡ ኣብ ግልገል በለስ ዝተባህሉ ከባብታት`ውን ናትና ሰባት ኣለዉ" ምባሉ ስዒቡ፡ እቶም ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ፡ ነቲ ኩነታት ዝተቓወሙ ክልተ ተወላዶ ጉሙዝ ዝርከብዎም 10 ሰባት ተኩሶም ቀቲሎም ዝበለ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ`ዚ እቶም ኣባላት ጸጥታ ኣስከሬናት`ቶም ዝተቐተሉ ሰባት ካብታ ከተማ ውጽእ ኣብ ዝበለ ጫካ ወሲዶም ከንድድዎ ምጅማሮም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣረዲኦም ይብል።

ኢሰመኮ ኣብ መንጎ`ዚ ምስቶም ዝተቐትሉ ተጠርጠርቲ ርክብ ኣለዎ ዝተባህለ ሓደ ተወላዲ ትግራይ ዝኾነ ሰብ፡ ኣብታ ዝተሳፈሩላ መኪና ተሓቢኡ ከምዘሎ ብሓበረታ ምስረኸብዎ፡ ብገምድ ኣሲሮም ናብቶም ዝቃጸሉ ዝነበሩ ኣስከሬናት ከምዝጸንበርዎን ብሓዊ ተቓጺሉ ከምዝሞተን እቶም ምስክራት ነቲ ኮሚሽን ገሊጾምሉ ይብል ።

ኮሚሽነር ኢሰመኮ ዳንኤል በቀለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ኣዝዩ ፈታኒ ዝኾነ ከባብታት ብልዑል መስዋእቲ ንድሕነት ህዝቢ ዝሕልዉ ምዃኖም ክዝንጋዕ ዘይብሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኮይኑ ግን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተዉ ተጠርጠርቲ ካብ መስርሕ ፍርዲ ወጻኢ ምቕታልን ብፍላይ ድማ ብሓዊ ምቅጻል ፈጺሙ ካብ ኣኽበርቲ ሕጊ ዘይጽበ ግፍዕን ጭካነን ዝመልኦ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብምዃኑ፡ ንተሓታትነት ሕጊ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ግቡእ ናይ ገበን መርመራ ብቕልጡፍ ክግበር ነተሓሳስብ ኢሉ`ሎ።

ድምጺ ወያነ ትግራይ ብወገና "መግለጺ ሓዘን መንግስቲ ትግራይ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘሕለፈቶ ፈነወ፡ተስፋሕፋሕቲ ክልል ኣምሓራን ሊሂቃን ሓይልታት ትምክሕትን ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ይነብሩ ዝነበሩ ንፁሃን ደቂ ትግራይ በኣረሜንያዊ ባርበራዊ ኣገባብ ኣቓፂሎም ቐቲሎሞም ኣለዉ፡ ብምባል መንግስቲ ትግራይ ዝተሰመዖ ሓዘን እውን ይገልጽ ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፋ`ላ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብፈይስቡክ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ ንሰብ ብህይወቱ ብሓዊ ምቅጻሎም ዘሰንብድ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ተሓታትነት ክህልዎ ንጽውዕ ፡ ከምኡ ድማ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምሉእን ናጻን ዝኾነ መርመራ ክግበር ንዘቕረቦ ጻውዒት ነመጉስ ኢሉ`ሎ።

ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጽንፈኝነት ሰላም ኮነ ፍትሒ ከምጽእ ኣይክእልን`ዩ ፡ እቲ ተግባር ካብ ኢትዮጵያውነት ባህልን ክብርታትን ከምኡ ካብ ዝኾነ ሰብኣውነት ኣተሓሳስባ ዝሸፈተ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ገበን`ዩ ብምባል፥ እቲ `ውጉዝ` ዝበሎ ተግባር ከምዘጻርዮን ኣብ ልዕሊ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ከምዝወስድን ኣፍሊጡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG