ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት


ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሚሸል ባቸሌት ኣብ ክልል ትግራይን ኣብ ኣዋሰንቲ ክልላትን ይጋደድ ዘሎ ውጥረት ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰበን ገሊፀን። ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ነባሪ መፍትሒ ከምጽእ ከምፅእን ሓገዝ ክገብርን ሓቲተን።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ ብወገኖም ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነዚ ግጭት እዚ ነባሪ ፍታሕ ንምሃብ ክሕግዝ እንተድኣደልዩ ንመንቀሊ ናይቲ ቅልውላው ምሉእ ብምሉእ ክርዳእ ኣለዎ ኢሎም።

ንመበል 48 ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ሓባራዊ ምርመራ ዝበጽሖ ደረጃ ንምፍላጥ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሚሸል ባችለት ኣብ ዝገበረኦ መደረ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተላዕለ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ምስፍሑ ገሊጸን። ሚሸል ባችለት እቲ ጎንጺ ካብዚ ሓሊፉ'ውን ኣብ ሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሰፍርሕ ይክእል'ዩ ኢለን። ነዚ ጠጠው ንምባል ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ክገብሮ ኣለዎ ዝበልኦ ገሊጸን ለዋ።

"ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ዘዳውባ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን በብግዚኡ እናተጋደደ ዝርከብ ውጥረት ኣዝዩ የሻቅለኒ'ዩ። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ'ውን ነባሪ ናይ ዕርቂን ናይ ፍትሕን ከይድታት ኣብ መርህታት ሰብኣዊ መሰላት ተመስሪቱ ንኽፍጸም ክሕግዝ ኣለዎ። እቲ ናይ ፍትሒ ስርዓትን ማሕበራትን ሲቪክን ትካላትን ከምኡ'ውን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ንመጻኢ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንምክትታል ዘለዎም ብቅዓት ክሕይል ኣለዎ፤ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ'ውን እቲ ጎንጺ ጠጠው ንኽብል መጸዋዕታ ምቅራቡ ክቅጽል ኣለዎ። ኩሉ ዝሓቆፈ ፖለቲካዊ ልዝብ ንክካየድ ክደፍእ ኣለዎ። ኹሎም ወገናት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕግን ምጥሓሶም ጠጠው ክብሉ መጸዋዕትኦም ክቅጽሉ አለዎም" ኢለን ።

ብዝተፈላለየ ሜላታት ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ዝተኻፈሉን ነቲ ሓባራዊ ምርመራ ናይ ዝመርሓ ኣካል ሓደ ክፍሊ ዝኾነ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቀንዲ ኮሚሽነር ዶክተር ዳንኤል በቀለ ብወገኖም ንምስፋሕ'ዚ ጎንጺ ጥራይ ዘይኮነስ ንምስፋሕ መን ከምዝመርሖን እንታይ ጸገም ከምዘጋጥምን ነቲ ጉባኤ ኣረዲኦም። ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ወንጀላት ከምዘለዎ ኾይኑ መንግስቲ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ድሕሪ ምእዋጁ ሀወሓት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘሊቑ ብምእታው እቲ ኹናት ከምዝሰፍሓ ንኽልል ትግራይ ዝበጽሕ ቀረብ ረድኤት'ውን ዕንቅፋት ከምዝገጠሞ ገሊጾም። ድሕሪ'ዚ እቲ ጎንጺ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ'ዩ ኢልካ ምግላጽ ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሎም።

ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለ ኣብ ዘቅረብዎ ሓጺር ጸብጻብን መደምደምታን'ውን ከምዚ ኢሎም።

ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለ"ኣባላት ቤት ምኽሪን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ስቃይን መከራን ኢትዮጵያውያን ጠጠው ንምባል ዝኽእል ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዝኾነ ሎሚ'ውን ብትኽክል ክርድኡ ኣለዎም። እዚ መርህ'ዚ ልዕልና ሕጊ ዝብይን እንተኾነ'ኳ ናይ ዝኾነ ሰብ ናይ ምንባር ሸቶ'ውን እዩ። ኣብዚ ናይ ኹናት እዋን ከም ህዝብን ሃገርን ዝሓለፍናዮ ስቃይን መከራን ናይ ዝኾነ ፖሎቲካ ሸቶን ሓቀኛ መርህን ክትክኦ ኣይኽእልን። ዘለዋ ሃገርለኸ ሕግን ትካላትን ጉድለት እንተለዎ ካብ ዝኾነ መዓቀኒ ግቡእነት ዘለዎምን ብውሑዱ' ውን ካብ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላትን ካብዚ ኹናትን ንምውጻእ ነባሪ መፍትሒ ንምርካብ ዘኽእሉ መሳርሒ ምኻኖም ንምርዳእ ጥልቂ ዝኾነ ትሕትና ይሓትት። ስለዚ ንወገናት'ዚ ኹናትን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን እዚ ትሕትና ክላበሱ ንላቦ" ኢሎም።

ኣብዚ ጉባኤ ዝተሳተፍን ኣብቲ ቤት ምኽሪ መደረ ክገብሩ መደረኽ ዝተወህቦም ጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ዶክተር ጊደዎን ጢሞቲዎስ ብወገኖም ውጺኢት'ቲ ምርመራ ብዝርዝር ንምፍላጥ ኣዋርሕ ምጽባይ ዘድሊ'ካ እንተኾነ ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ዝተገብረ ጻዕሪ ምርመራ ኣፍልጦ ሂቦም። ከም ሓደ በዓል ግደ መንግስቲ'ውን ንሙሉእ ጸብጻብ'ቲ ምርመራ ቅድሚ ብወግዒ ምግላጹ ሓቅታት ንምጽራይ መታን ክሕግዝ ብቀዳምነት ንመንግስቶም ክበጽሖ ትጽቢት ከምዝገብሩ ገሊጾም። ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ መንግስቲ ድልው'ዩ ዝበሉ ጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ብመንጽር'ዚ ካብ ዓለምለኸ ኣካላት መንግስቲ ትጽቢት ዝገብv ገሊጾም።

እቶም ጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ "ኣብ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ኩሎም ዝግብኡ ሰብ ግደ ሃናጺ ብዝኾነ መልክዕ ንምስራሕ ክንቅጽል ኢና። ብመዳይ ኣሸባሪ ሜላታት ምጥቃምን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንውትህድርና ምምልማልን ሰላማዊ ሰባት ብጅምላ ምቅታልን ከምኡ'ውን ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝፈጸሞ ዝተወደበ ዘረፋን ኣዝዩ ዝኸፍአ ምዕናው ተግባራት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላትን ክኹንንዎ ንጽውዕ። በዚ ዘሕዝን ኩነታት ህወሓት ወንጀለኛ ደኣምበር ግዳይ ከምዘይኮነ ዓለም ኩሉ ክፈልጥ ዘለዎ ግዜ ሕጂ'ዩ" ኢሎም ኣለዉ ።

ኣብቲ ጉባኤ ንኽዛረባ መድረኽ ዝተዋህበን ዝተፈላለያ ሃገራት መርገጺኤን ገሊጸን'የን::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG