ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ክልል ትግራይ


"ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣዝዩ ዘሻቅል ኮይኑ ከምዝረኸብዎ" ኮምሽነር ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ፍሊፖ ግራንዴ ትማሊ ሰሉስ ገሊጾም። "ምቁራጽ ኣገልግሎታት ቴለኮምኒከሽንን ባንክን፣ ነቲ ጸገም ከምዘጋደዶ" ጠቂሶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጸገም ንምቅላል ይገብሮ ኣሎ ንዝበልዎ ጻዕሪ ዝናኣዱ እቶም ኮምሽነር፣ "ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ኣብ ክልል ትግራይ ንክንቀሳቀሱ ምስዝፍቀደሎም ቃንዛ ህዝቢ ንከይጋደድ ኣዝዩ ሓጋዚ ክኾን ከምዝኽእል" ገሊጾም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ "ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ዝተበተኑ ካብ 15 ሽሕ ክሳብ 20 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራዊያን ስደተኛታት፣ ጉዳዮም ቀዲሙ ክስራዕ ከምዝግባእ እቶም ኮምሽነር ኣተሓሳሲቦም’።

ኮምሽነር ፍሊፖ ግራንዴ "ብዛዕባ ክልል ትግራይ ብማሕበራዊ ሚድያታት ብዙሕ ከምዝባሃል ምስጠቀሱ ከምዚ ከምኦም ነቲ ከባቢ ዝራኣየ ግና እቲ ኩነታት ዝተሓላለኸ ከምዝኾነ ይርዳእ እዩ" ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG