ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ: ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከም ሓድሽ ንዘጣየሶም ክልተ እዝታት ተቓዊሙ


ሰራዊት ኢትዮጵያ ክልተ ተወሳኺ እዝታት ከም ብሓዱሽ ምጥያሱ ምግላፁ ስዒቡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስቲ ክልል ብዝተተሓሐዘ ሰራዊትን ኣጽዋር ኩናትን ምንቅስቓስ ኣይከኣልን ክብል ኣብ ዘውጾ መግለጺ ኣፍሊጡ::

ሰራዊት ምክልኻል ዝወሃበኒ ወፍሪታት ብቕልጡፍ ንምፍፃም የኽእሉኒ እዮም ዝበሎም ክልተ እዝታት ከም ሓዱሽ ምጥያሱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊፁ::

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብዘውፀኦ መግለፂ: ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መሪሕነት ዘሎ መንግስቲ ፌደራል ሰራዊት ምክልኻል ከምብሓዱሽ ክውድብ ስለዘይኽእል: "ምስ ክልል ትግራይ ዝተኣሳሰር ውሳነታት ምውፋር፣ ምትዕርራይ ኣወዳድባን መሪሕነትን፣ ዝግበር ምንቅስቓስ ሰራዊት ኮነ ኣፅዋር ፍፁም ተቐባልነትን ተፈፃምነትን የብሉን" ኢሉ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG