ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያን ናይ ኣምሓራ ምንቅስቃስ ዲሞክራሲያዊ ሓይሊን


ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ"ናይታ ሃገር ህልውና ንምሕላው ኣብ ዝተገብረ ፃውዒት ኣድላይ ሓገዝ ክንገርብ ኢና’’ ኢሉ።ወሃቢ ቃል እቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ኣብ ሰሜናዊ ከባቢታት እታ ሃገር "ህወሓት የካይዶ ኣሎ’’ ዝበሉዎ ውግእ ኮኒኖም ኣለው።

ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ርእይትኦም ንድምጺ ኣሜሪካ ዝሃቡ ኣባል መሪሕነት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ያሶ ከበብው ሰላም ንምስፋን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ክዘራረቡ ኣለዎም ኢሎም።

ብዝተሓሓዝ ዜና ናይ ኣምሓራ ምንቅስቓስ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ህልውና ኢትዮጵያን ህዝቢ ኣምሓራን ዝመፀ ሓደጋ ህልውና ንምምካት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክንስለፍ ኢና ኢሉ ።

እቲ ውድብ ኣንፃር ብፓርላማ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ተባሂሉ ንዝተመደበ ህወሓት ምቅላስ ዝጀመረ ቅድም ክብል ምዃኑ ዝገለፁ ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ኣቶ ተስፋሁን ኣለምነው እቲ ውድብ ኣብ ናይ ኤርትራ ጋሽ ባርካ ንሸሞንተ ዓመታት ከምዝተቓለሰ ሓቢሩ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG