ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኦቻ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክልል ትግራይ


ኣብ መቐለ ሓገዝ ኣብ ዝወሃበሉ ዝነበረ ጊዜ ዝተወስደ ምስሊ - ፋይል
ኣብ መቐለ ሓገዝ ኣብ ዝወሃበሉ ዝነበረ ጊዜ ዝተወስደ ምስሊ - ፋይል

እኹልን ቀፃልነት ዘለዎን ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት፣ገንዘብን ነዳዲን ምቕራብ ብዘይምክኣሉ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝለዓለ ደረጃ ይጋደድ ምህላው ኣብ ኢትዮጵያ ተሓጋጋዚ ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕ/ሃ ግራንት ሊየቲ ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ ሓቢሮም።

እቲ መግለፂ 5.2 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ወይ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ትግራይ ድሮ ዓፀቦ ኣብ ዝመስል ኩነታት ዝርከቡ 400,000 ሰባት ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዘጋጠመ ናይ ዓለም ዝኸፍአ ኩነታት ዓፀቦ ንምቕልባስ ሰብኣዊ ረድኤት ብቕልጡፍ የደሊ ይብል ።

ኣብ ወሰና ወሰን ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን 1.7 ሚሊዮን ህዝቢ ሓዊሱ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ንጥምየት ክቃልዑ እዮም።

እቲ መግለፂ በዚ ይህሰዩ ዘለው ቆልዑት፣ ነፍሰ ፁር ደቂ ኣንስትዮን ሓደሽቲ ዝወለዳ ኣዴታትን ብዘልዓለ ሕፅረት ኣመጋግባ ይሳቐዩ ኣለው ይብል።

ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕ ዝክኣልን ሓፈሻዊ ኩነታት ውሑስን እንተኾነ እውን እቲ ክልል ብጭቡጥ ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ረድኤት ዘይኣትዎ ኣዚዩ ዝተደረተ ዕፅው እዩ ኢሉ።

ብመሰረት ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕጊ ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዝዋስኡ ወገናት ቕልጡፍን ዘይተደረተን መሕለፊ ክፈቕዱ ፀዊዑ ኣሎ።

እቲ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ኮሚንኬሽንን ኣገልግሎታት ባንኪን ከምኡ እውን ኣገደስቲ ናይ ንግዲ ኣቑሕት ናብ ክልል ትግራይ ምእታው ናብ ንቡር ክምልስ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ግብኡ ክዋፃእ ኣለዎ ይብል ።

መንግስቲ ኢትዮጵያናይቲ ፀገም ተሓታቲ ህወሓት እዩ ብምባል ነቲ ነቐፌታ ኣይተቐበሎን።

ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ብልለኔ ስዩም ትማሊ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ንዝተፈጠረ ፀገም ተሓታቲ ህወሓት እዩ ኢለን።

ብልለኔ ስዩም "ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ውፅኢታዊን ቕልጡፍን ንምግባር ካብ ሸውዓተ መፈተሺ ኖቕጣታት ናብ ሰለስተ ወሪዱ እዩ’’ኢለን። ኣስዒበን ድማ "ኣብቲ ከባቢ ክሳብ ሕጂ ብህወሓት ናይ ምትንዃይ ምንቅስቓስ ኣሎ።እዚ ድማ ሰ ብኣዊ ሓገዝ ንዘቕርቡ ከቢድ ይገብሮ።ስለዝኾነ ተፅዕኖ ክግበር እንተኾይኑ ከምኡ እውን ሕቶታት ክልዓል ዘለዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበፅሕን ፈታኒ ክኸውን ንዝገበሩን ኣካላት እዩ ክቐርብ ዘለዎ’’ ኢለን ።

XS
SM
MD
LG