ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኦቻ ንተባጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ


ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ንተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ገምጋም፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ብተዛማዲ ኲናት ዝሒሉ ብምህላዉ እቲ እናኸፍአ ክመጽእ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብቲ ዝነበሮ ደኣ ኣይግደድ እምበር፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ግን እቲ ከባቢ ኣብ ከቢድ ሽግር ከም ዘሎ ጸብጺቡ።

ኦቻ ንወግዓዊ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ኲናት ዘቐነዮ ክልል ዓፋር ኣስታት 200-ሽሕ ሰላማዊ ህዝቢ ምምዝባሉ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ እቲ ቀንዲ ናብ ትግራይ ዘእቱ መስመር ሰመራ፡ኣብዓለ፡መቐለ ብምዕጻዉ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ናብ ትግራይ ንምፍጻም ከም ዘይተኻእለ ኣመልኪቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG