ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኤምዲሰመ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን


ኣብ ፕሪቶርያ ዝመደብሩ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን(ኤምዲሰመ) ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ፡ ኢትዮጵያ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብዘይ ቅድመ ኩነት ከምትቕበሎን ከምተተግብሮን ዝሃብዎ መግለፂ ናይ ርሕቁን ቀረባን ዝጠመተ ለባም ውሳነ፡ ንረብሓ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት እዩ ክብል ኣብ ዘውፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሉጡ።

እቲ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ኣብቲ መግለፂኡ ኣብ 1998-2000 ዝተገብረ ኣዕናውንደማውን ናይ ዶብ ኩናትን፡ ንዓመታት ዝሰዓበ ኣይ ውግእ-ኣይሰላም ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሰዓቦ በሰላን ዕንወትን ማህሰይትን ክንድዚ ኢልካ ክዝርዘር ዝከኣል ኣይኮነን ኢሉ’ሎ።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ነቲ ብይን ኮምሽን ዶብ ዝምልከት መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ደገፉ ድሕሪ ምግላፅ ፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ግና ዘረባ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብግብሪ ክትግበር ተስፋ ንገብር እቲ መስርሕ ኣብ ምሕንጻጽ ዶብ ከይተሓጽረ፡ ዝምድና ናይ ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ናብ ንቡር ንክምለስ ውዓል ሕደር ዘይብሃሎ ጉዳይ ምዃኑ ነገንዝብ ኢሎ።

ዶብ ክሕንጸጽ ዝሕግዙን ብዕቱብ ኣቃልቦ ክወሃቦም ዘለዎም ግብራዊ ስጉምትታ ዝበሎም’ዉን : ኢትዮጵያ ካብ ኩሉ እቲ ዘሰሓሕብ ሒዛቶ ዘላ ቦታ ሰራዊታ ከተውጽእ: ነቲ ኢትዮጵያ ዝገደፈቶ ቦታትት ዓቀብቲ ሰላም ናይ ውድብ ሕቡራትሃገራት ክቖጻጸርዎ፡ እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ናይ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ዶብ ኣብ ባይታ ናይ ምሕንጻጽ ትግባረ ስራሕ ከም ብሓዲሽ ክጅመር፡ኣብቲ ዶብ ናይ ምሕንጻጽ መስርሕ ዘድሊ ምዝርራብ መንግስቲ ኤርትራ ቕርቡነቱ ብግብሪ ከረጋግጽ ዝብሉ’ዮም።

XS
SM
MD
LG