ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ሽልማት ኖበል ሰላም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ


ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክቡር ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሰላምን ዓለምለኸ ምትሕብባር ንምጉንጻፍንዝካየድዎ ጻዕርታትን ምስ ጎረቤት ኤርትራ ዝነበረ ግጭት ንምፍታሕ ዝወሰድዎ ወሳኒ ስጉምታትን መበል 100 ተሸላሚ ኖበል ሰላም ብምዃኖም እንዃዕ ሓጎሰኹም ይብል:ነዚ ዘኹርዕ ፍጻመ ድማ ምስ ኩሎም ኢትዮጵያዊን ኮይና ክንጽንብል ኢና ኢሉ።

እዚ ሽልማት ድማ ኣብ መሪሕነት ቀ/ሚ ኣብይ ዘመዝገቡ ምዕባለታት ዘርእይ እዩ ዝበለ መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ'ቲ ምስ ኤርትራ ዝተኻየደ መስርሕ ስላም: ፖለቲካዊ ባይታት ኣብ ምፍጣር: ነጻነት ፕረስኣ ብ ምሕያል: ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካ ከምኡ'ውን ቁጠባ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ዝስርሑ ስርሓት መርኣያ ዝካየዱ ጻዕርታት'ዮም ኢሉ።

ኣሜሪካ ድማ መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ ዲሞክራሲያዊት ብልጽግቲ ሃገሩ ኣብ ምህናጽ ደገፉ ከምዘበርኽት ንገልጽ።

Recommended

XS
SM
MD
LG