ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ሽልማት ኖበል ሰላም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ


ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክቡር ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሰላምን ዓለምለኸ ምትሕብባር ንምጉንጻፍንዝካየድዎ ጻዕርታትን ምስ ጎረቤት ኤርትራ ዝነበረ ግጭት ንምፍታሕ ዝወሰድዎ ወሳኒ ስጉምታትን መበል 100 ተሸላሚ ኖበል ሰላም ብምዃኖም እንዃዕ ሓጎሰኹም ይብል:ነዚ ዘኹርዕ ፍጻመ ድማ ምስ ኩሎም ኢትዮጵያዊን ኮይና ክንጽንብል ኢና ኢሉ።

እዚ ሽልማት ድማ ኣብ መሪሕነት ቀ/ሚ ኣብይ ዘመዝገቡ ምዕባለታት ዘርእይ እዩ ዝበለ መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ'ቲ ምስ ኤርትራ ዝተኻየደ መስርሕ ስላም: ፖለቲካዊ ባይታት ኣብ ምፍጣር: ነጻነት ፕረስኣ ብ ምሕያል: ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካ ከምኡ'ውን ቁጠባ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ዝስርሑ ስርሓት መርኣያ ዝካየዱ ጻዕርታት'ዮም ኢሉ።

ኣሜሪካ ድማ መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ ዲሞክራሲያዊት ብልጽግቲ ሃገሩ ኣብ ምህናጽ ደገፉ ከምዘበርኽት ንገልጽ።

XS
SM
MD
LG