ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ


ውሕሰነት ጸጥታ ኢትዮጵያ በብእዋኑ እናኸፍአ ይኸይድ ብምህላዉ ዝተሻቐለ፡ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዜጋታቱ መልእኽቲ የሕሊፉ ኣሎ።

መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ከም ዘነጽሮ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘእቱ ሓደ ዓቢ መስመር ብምዕጻዉ ንምንቅስቓስ ኣዝዩ ሓጻሪ ኮይኑ ኣሎ። እቲ መግለጺ ወሲኹ’ውን ኣባላት ቤት ጽሕፈቱ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ከይንቀሳቐሱ ከም ዝተደረቱ ኣመልኪቱ ኣሎ። ናብ ኢትዮጵያ ክጓዓዙ ንዝመደቡ ዜጋታት ኣመሪካ ዳግም ክሓስቡሉ ዘዘኻኸረ እቲ መግለጺ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታት ኣመሪካ’ውን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ዘድሊ ምቅርራብ ክገብሩ ኣሚቱ።

ንድሕነት ዜጋታቱ ኢሉ’ውን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታት ኣመሪካ ህልውናኦም ከመዝግቡ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG