መቐለ —
ዋና ኣዛዚ’ቲ ሰራዊት ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓይልታት ትግራይ “ወፍሪ ኣደታት ትግራይ” ተባሂሉ ብዝተሰየመ ወፍሪ መጥቃዕቲ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ተዓዊቱ ኢሎም።
እቶም ኣዛዚ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ሰራዊቶም ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ዝተፈላለዩ ክልላት፡ ኣብ ቆቦ፡ ዓፋር ብተወሳኺ’ውን ዓደ-ርቃይ ግንባራት ተዓዊቱ ኢሎም።
እቶም ጀነራል“ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሰራዊት ትግራይ ጠጠው ዘብል ጭቡጥ ሓይሊ የሎን፡” ኢሎም ።