ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኣብ ጉዳይ ምብጻሕ ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያን ኒጀርን


ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክፍሊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ተሓጋጋዚት ሚንስትር ሞሊ ፊ - ፋይል
ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክፍሊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ተሓጋጋዚት ሚንስትር ሞሊ ፊ - ፋይል

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያን ኒጀርን ዘካይድዎ ምብጻሕ ሃገሮም ንኣህጉር ኣፍሪቃ ትህቦ ትኹረት ዘመልክት ምዃኑ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክፍሊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ተሓጋጋዚት ሚንስትር ሞሊ ፊ ገሊጸን።

ሚስ ፊ ንዑደት እቶም ኒንስተር ኣመልኪተን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዋሽንግተን ምትእንጋዶም፤ ከምኡ'ውን ከም ቀዳመይቲ እመቤት ጂል ባይደን፤ ሚንስትር ገንዘብ ጃኔት የለን፤ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊላድ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰብ መዚ ኣመሪካን ዜጋታትን ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምብጽሖም ጠቂሰን፤ ካልኦት ሰብ-መዚ'ውን ምስቲ ኣህጉር ዝካየድ ዝምድና ንምሕያል ናብ ኣፍሪቃ ከምዝኸዱ ሞሊ ፊ ሓቢረን ኣለዋ።

ኣብ ኢትዮጵያን ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ብሊንከን ስርሖም ካብ ዝጀምሩ ጀሚሮም ትኹረት ሂቦም ክሰርሕሉ ከምዝጸንሑ ዝገለጻ ሞሊ ፊ፥ ኣብ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ብዝተኻየዱ ጻዕርታት ኣብ ፕሪቶርያ ጥቅምቲ 23 ዝተፈረመ ግጭት ደው ናይ ምባል ስምምዕ ድማ ኣመሪካ መሪሕ ተራ ምጻዋታ ሓቢረን። እዚ ሕጂ ሚንስተር ብሊንከን ዘካይድዎ ምብጻሕ ድማ ነቲ ሰላም ንምሕያል ዝሕግዝ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዝሕግዝ ከምዝኾነ ወሲኸን ሓቢረን።

ኣመሪካን ኢትዮጵያን ሓይል ዝኾነ ታሪኻዊ ዝምድና ከምዘለወን ዘዘካኸራ ሞሊ ፊ ዜጋታት ኣብ ምምዕባል ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ድማ ሓላፊነት ብዝመልኦ መንፈስ ብምስታፍ ኣገዳሲ ዝኾነ ተግባር የካይዱ ምህላዎም'ውን ገሊጸን። ስለዝኾነ ድማ ዝበላ ተሓጋጋዚት ሚንስተር ሞሊ ፊ "ንሕና'ውን ዕብየቶምን ዘለዎም ተጽዕኖ ብዝምጥን ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎና ጥቕምታትን ነቲ ኣህጉር ዘለና ቆራጽነት ዝመዓራረይ ዝምድና ምፍጣር ንደልይ ኢና "ኢለን።

እቲ ዝምድና ንመጻኢ ክስጉም ድማ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ኲናት ሓዊሱ ነታ ሃገር ንብዙሕ ዓመታት ንድሕሪት ካብ ዝጎተትዋ ናይ ዓሌት ግጭታት ክትወጽእ ኣለዋ ኢለን።

ዑደት ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብቲ ግጭት ደው ናይ ምባል ስምምዕ መሪሕ ተራ ንዝተጻወቱ ኣመራርሓ ምስጋና ንምቕራብን ኣወንታዊ ዝምድና ንምምስራት መገዲ ንምኽፋት ምዃኑ ሞሊ ፊ ሓቢረን።

ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ወሰን ከባቢታት ሕጂ'ውን ከምዘለው ናይ ኣምሓራ ሚሊሻ ሰፊሕ ዝኾነ ቦታ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ክልል ትግራይ ሒዞም ከምዘለው ሓገዝ ወሃብቲን ዲፕሎማትን ክገልጹ ምጽንሖም ንሰን ብዛዕባ'ዚ ዝፈልጥኦ እንተሎ እቶም ሚንስተር ዝከናውንዎ ስራሕ እንተሎ ተሓቲትን ክምልሳ ከለዋ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ነቲ ጉዳይ ምልዓሉ ገሊጸን፤ንሰን ብዘለወን ኣፍልጦ ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ደው ምባሉ ዓብይ ቁጽሪ ዘለዎም ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ምውጽኦም በቲ ስምምዕ መሰረት ዝቆመ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ክትትልን ምርግጋጽን ኮሚተ ድማ ነዚ ምርግጋጹ ገሊጸን።

ሰብኣዊ ሓገዝ በቲ ኲናት ጉድኣት ናብ ዝበጽሖም ከባቢታት ይበጽሕ ምህላው ኣብ ክልል ትግራይ ተቋሪጾም ዝነበረ ኣገልግሎታት ምጅማሮም ከምዝተረደኣ ተሓጋጋዚት ሚንስተር ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሞሊ ፊ ገሊጸን።

ንሰን ወሲኸን ኣብ መዝነት ዝርከብ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ናብ ኒጀር ክበጽሕ ኣንቶኒ ብሊከን ናይ መጀመርያ ምዃኖም ሞሊ ፊ ገሊጸን።

XS
SM
MD
LG