ዋሽንግተን —
"ኣብ ትግራይ፣ ትሕተ ቅርጺ ኮነ ተባሂሉ ንክዓንውን ንክበርሱን ይግበር ከምዘሎ" ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ገሊጸን።
ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፣ ነዚ ዝገለጻ ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ወርሒ’ዚ ፕረዚደንት’ቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ቬትናም ኣብ ዝጸወዐቶን "ኣብ እዋን ግጭት፣ ትሕተ ቅርጽን ሰላማዊያን ሰባትን ሓለዋ ምግባር" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭብጢ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ እዩ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ታየ ህዝቀስላሴ ብወገኖም "ኢትዮጵያ ከምሃገር፣ ንሰላምን ድሕነትን ህዝባ ምርግጋጽ ቀዳማይ ሓላፍነት ዝስከም መንግስቲ እዩ። ስለዚ ብዝተካኣለ መጠን፣ ንህይወት ዜጋታት ንምሕላው፣ ሰላማዊ መነባብርኡ ንከይሕወኽ ኩሉ ዓይነት ስጉምታት ኣብ ምውሳድ እዩ ዝርከብ" ኢሎም።