ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኣምባ.ኣሜሪካ ኣብ ሕ/ሃ ኣብ ዝኽሪ መበል 27 ዓመት ህልቂት ሩዋንዳ


ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፍልድ፣ ብምኽንያት መበል 27 ዓመት ጅምላዊ ህልቂት ኣብ ሩዋንዳ መግለጺ ከምዘወጻኣ ተገሊጹ።

እተን ኣምባሳደር ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ንዝተጨፍጨፉ ልዕሊ 800 ሽሕ ህዝቢ ንዝክሮም ኢና ኢለን።

ንሰን "ሎሚ ነቶም ህይወቶም ዝሳኣኑ ንዝክረሉ ዕለት እዩ፣ ንድሕሪት ገዲፎምዎም ምስ ዝሓለፉ ኣባላት ስድራቤቶምን ነቲ ጸሊም ታሪኽ ደቂ ሰባት ብዓይኒ ዝራኣዩን ኣብ ቃንዛ ዘለውን ኣብ ጎኖም ኣለና" ኢለን።

አምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፍልድ "ንሓባራዊ ሰብነትና ክንዝክር፣ ንዝተቃልዑ ክንከላኸል፣ ግፍዒ ንዝፍጽሙ ክንፋረዶምን ንሰብኣዊ ክብርታትና ክብ ንክነብል ቃል ንኣትወሉ ጊዜ’ዩ፣ ከም ናይ ሩዋንዳ ዝዓይነቱ ተመሳሳሊ ግፍዒን ጭፍጨፋን ዳግም ንከይፍጸም ቃልና ንሓድስ" ኢለን ።

XS
SM
MD
LG