ምኽትል ሚንስተር ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ ኣብቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ብዛዕባ'ቲ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ዝገበሮ ርክብ`ውን ተሓቲቱ ኔሩ። ብዲፕሎማሲያዊ መዳዩ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኤርትራን ከም ኣካል ዝሓሸ ዝምድና`ዶ ክርኣይ ይክእል ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ከምዚ ክብል መሊሱ፡"ቕድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ኤርትራ በጺሐ ኔረ። ሽዕኡ ብወገን ኣሜሪካ እንተኾይኑ ልክዕ ከምቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ኣወንታዊ ርክብ ምስ ኤርትራ'ውን ማዕርኡ ዝኾነ ርክብ ክህልወና ከም እንደሊ ገሊጸሎም ኔረ።
ነቲ ግጭት ኣህጉራዊ ቅርጺ ንምትሓዝ ብዛዕባ ዝግበር ግን ሓደገኛ 'ዩ ክነውግዶ ኢና ንደሊ። ኤርትራ በቲ ምትኹታኽ መሪሕነት ህወሓት ግብረ መልሲ ብዘይምሃባ ድማ ነመስግና። ዕላማ መሪሕነት ህወሓት ግን ከምኡ'ዩ ኔሩ።"
ቲቦር ናጅ ኣተሓሒዙ ህወሓት ዝገበሮ፥ መንግስቲ ኤርትራ ግብረ መልሲ ክህብ`ሞ ኣብ ህዝቢ ትግራይ`ውን ስምዒት ንምልዕዓል`ዩ ኔሩ፥ ኤርትራ ካብ ግብረመልሲ ምቑጣባ ግን ናእዳና ንገልጽ፡ ከምኡ`ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ኣህጉራዊ ቅርጺ ንከይሕዝ ጥንቃቐታት ወሲዱ`ዩ ምኽንያቱ እቲ ዞባ ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዘይርጉእ ከባቢ ኮይኑ ጸኒሑ`ዩ ኢሉ።
ቀጺሉ ዝቐረበሉ ሕቶ፥ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጭፍጨፋ ከም ዝተፍፈጸመ ገሊጽካ ኔርካ፥ ኣብ ትግራይ ናይ ምጽናት ዓሌት መረዳእታ ዝርኣኹሞ ኣሎ`ዶ ዝብል ክኸውን ከሎ ሕጽረት መራኸቢ ስለዘሎ ዝመጻና ዘሎ ሪፖርት ሓሓሊፉ ፍጻመታት ከምዘሎን፥ ገለ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ብገበናት ኩናት ዝገለጽዎን`ዩ። ብኸምኡ ኢና ድማ ናጻ መርመራ ክካየድ ንጽውዕ ዘለና ኢሉ።
ብዛዕባ`ቲ ግጭት ብሽምግልና ክፍታሕ ይኽእል`ዶ ዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ ድማ ከምዚ ይብል፥"ሽምግልና ናብ ዕላማኻ ንምብጻሕ ትጥቀመሉ ታክቲክ'ዩ'ምበር፡ ንባዕሉ ናይ መወዳእታ ሸቶ ኣይኮነን። ዕላማና እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ኣብቂዑ ሰላም ክምለስን ሰለማውያን ድሕነቶም ክረጋገጽን ኢና ንደሊ። ሽምግልና ኣብ ዘድልየሉ፥ ክልቲኦም ወገናት ናይ ሽምግልና ድልየት ኣብ ዘርእይሉ እዋን ግን ንሕና ብቐዳምነት ኣብኡ ኣለና።"
ብኻልእ ወገን ግን ኢሉ ቲቦር ናጅ፥ ጎኒ ንጎኒ`ቲ ወተሃደራዊ ጎስጓስ ፥ ፖለቲካዊ ጎስጓስ`ውን ይካየድ ኣሎ`ዩ። ተጋሩ ጸላእቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይኮኑን፥ ትግራዎት ኣካል ናይቶም ብዙሓት ብሄረሰባት ኢትዮጵያ`ዮም ዝብል ጎስጓስ ይካየድ`ዩ። ብዛዕባ ህወሓት ክትዛረብ እንተኾይንካ`ውን ህወሓት ኣማኢት ኣሽሓት ኣባላት ዘለውዎ ሰፊሕ ፓርቲ`ዩ፡ ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ገለ መራሕቲ ህወሓት ጥራይ ጸገም ከምዝጸንሖ`ዩ ዝርድእና ድሮ`ውን ንትግራይ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ ሰይሞም ኣለዉ ኢሉ።
መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ንፖለቲካዊ ተቓወምቱ ከምዝኣሰረን፡ ንዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ድማ ንህወሓት ብምሕጋዝ ከምዝኸሰሰን፥ ሰራዊቱ ድማ ኣብ ትግራይ ንሲቪላት ይድብድብ ኣሎ ክብል ዝጠቐሰ ካልእ ሓታቲ ድማ እቲ ክሲ ሓቂ እንተኾይኑን፥ መንግስቲ ኣሜሪካ ድማ ነቲ ግጭት ደው ከብሎን ሲቪላት ክሕለዉን እኩል`ዶ ይገብር ኣሎ ክብል ሓቲቱ፡ ቲቦር ናጅ፥ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ኩሉ ዝክእሎ ይገብር ኣሎ -ኸምኡ ሲቪ ላት ክምለሱን መራኸቢታት ክኽፈቱን ንጽዕር ኢና- ነቲ ኩናት ደው ከብልዎ ዝኽእሉ ግን ባዕላቶም ክልቲኦም ወገናት`ዮም ኢሉ። ብዛዕባ'ቲ ዘልዓልካዮ ክስታት ናብቶም ምንጪ'ቲ ኽሲ ዝኾኑ ኣካላት ኢኻ ክትወስዶ ዘለካ።ከምቲ ዝበልክዎ ግን ምስ ኩሎም ወገናት ኣብ ጽምዶ ኣለና ናይ ሰላም ዕድላት ኣብ ዝረኣናሉ ድማ ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።
ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ፥ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ምስ ህወሓትን ተራኺቡ እንተኾይኑን፥ ካብ ሸነኽ ኣሜሪካ ነቲ ግጭት ብሽምግልና ንምዕራፍ ድፍኢት ኣሎ እንተኾይኑን ተሓቲቱ፥ ኣቐዲመ ከምዝበልክዎ ሽምግልና ሸቶ ኣይኮነን እቲ ሸቶ ሰላም ምምላስ'ዩ፥ ሽምግልና ዝሰርሕ እቶም ተዋሳእቲ ድልዋት ክኾኑ ኸለዉ'ዩ ኢሉ።
ነዚ ሕቶ'ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክ ረይነር'ውን መልሲ ሂብሉ ኔሩ። ምስቶም መራሕቲ ምርኻቡ'ውን ይገልጽ "ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይን ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽየንን ተዘራሪበ ኔረ። መጀመርያ ዘልዓልክዎ ነገር ኣገዳስነት ምብቃዕ ኩናት'ዩ። ዕርቂ ወይ ሽምግልና ምጥቃም ዝክኣል እንተኾይኑ'ዩ'ውን ኣልዒለሎም ኔረ። ኣብቲ እዋን ከምኡ ዓይነት ተቐባልነት ኣይረኸብኩን። እቲ ወተሃደራዊ ግጭት ናይ ምቕጻሉ ድልየት'የ ርእየ።"
ብኽልቲኦም ወገናት ናይ ልዝብ ሸውሃት እንተዘይሃለወ 'ውን ብዛዕባ ሰብኣዊ መተሓላለፊ መስመራት፥ከምኡ'ውን ብዛዕባ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝግበር ነገራት እንተሎ ዝብል ሕቶ'ውን ቀሪቡ ኣምባሳደር ረይነር "እዚ ምስ ሰብኣዊያን ትካላትን መንግስታትን ብምዃን ክንደፍኣሉ ዝጸናሕና'ዩ።ከም ነዳድን ካልኦት ቀረባትን ዝሓልፍሉ መስመራት ክኽፈቱ ምስቲ መንግስቲ ነልዕሎ ዘለና ጉዳይ'ዩ። ክንሰርሓሉ ኢና'ውን ይብሉና'ዮም። ምስ ህወሓት ምስ ኣልዓልናዮ ከኣ ብዛዕብኡ ዘሎ ተኽእሎ ኣይረኸብናን። ክንደፍኣሉ ኢና ግን ብወገን መንግስቲ ዘሎ ርእይቶ ድማ እቲ ኹናት ኣብ ቀረባ ከምዝውዳእ'ዩ። ሕቡራት ሃገራት ናብ ጽጉማት ሰብኣዊ ረዲኤት ከብጽሕ ግን መተሓላለፊ ክፍጠር ምጽዓርና ክንቅጽል ኢና" ክብል ይምልስ።
ንቲቦር ናጅ ቀጺሉ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩናት በዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩናት'ዶ ይወዳእ ይኸውን ወይስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ካልኦት ከባብታት'ውን ሓይሉ ከድልድል ይደፍእ ይኸውን? ከምኡ'ውን መራሕ ህወሓት ብዛዕባ ምብትታን ኢትዮጵያ ተዛሪቡ ኔሩ- ስለዚ ስግኣት ኣለኩም'ዶ ተባሂሉ ተሓቲቱ፥ ክምልስ ከሎ ህወሓት ነዚ ክጅምር ከሎ ንቀዳማይ ሚኒስትር ንምዕላው'ምበር ንፍላይ ኣይመስለንን፡ ምኽንያቱ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍላይ የፍቅድ'ዩ። ስለዚ ሕጂ ናብቲ 27 ዓመታት ዝነበሮም ደረጃ ንምምላስ ዝተጠቐምሉ ታክቲክ ኣንጻራዊ ዝኾነ ሳዕቤን ዘምጽኣሎም ይመስለኒ። ድሓር'ውን እቲ ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ጎኒ ቀዳማይ ሚንስተር ከምትስለፍ ዝገበረ ይመስለኒ ኢሉ።
ቲቦር ናጅ ኣተሓሒዙ፥ እዚ ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት ዝካየድ ግጭት ኣይኮነን ብምባል፥ እዚ ነሓደ ክልል ዘመሓድር ኣካል ኣንጻር ማእከላይ መንግስቲ ተጻብኦታትን ምግባር ወሲኑ ግን ዘይሰለጦ'ዩ' ኢሉ።
ብዛዕብኡ መወሰኽታ ዝሃበ ኣምባሳደር ረይነር ብወገኑ፥ እቲ ዝተረፈ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን'ዚ ህዱእ ከምዘሎን መንግስታት ክልልን ህዝብታትን ኣብ ጎኒ ፈደራል መንግስቲ ከም ዝኾኑ ዝተገብረሉን ኩነታት'ዩ ዘሎ ኢሉ።
ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈጸመን መረጋገጺ ረኺቦም እንተኾይኖምን ዝተሓተተ ቲቦር ናጅ ናይ ርክባት ጸገማት ስለዘሎ ንምጽራዩ ከም ዝኸብድ ኣብታ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ዝተዋህበላ ዩኒቨርሲቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ እንተኾይኑ ግን ዘሕዝን ከምዝኸውን ጠቒሱ።
ኣብ መወዳእታ ዝቕረበ ሕቶ ኣብ ኢትዮጵያ ዓሌት ናይ ምጥፋእ ገበናት ምልክት'ዶ ትርኢ ኣለኻ ዝብል'ዩ ኔሩ "እወ ክብለካ ኣይክእልን'የ። ግን ዝኾነ ተፈጺሙ ዝብሃል ግፍዒ የሻቕለና'ዩ። ነዚ ኢና እቲ ኩነታት ብግቡእ ክትሓዝ ኣለዎ ንብል። ዝተፈጸመ ግፍዕታት ብናጻ ወገን ክጻረ ኣለዎ። እቶም ተሓተቲ ድማ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም። እቲ ዓሌታዊ መኣዝኑ ንኹሉ ኣሻቒሉ'ዩ። ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብርክዎ ርክብ ንሳቶም'ውን ከምዘሻቕሎም እየ ርእየ። እቲ ዝነበረ ጭቆና ፍኹስ ስለዝበለን ዝያዳ ውልቃዊ ናጽነታት ምስ ተረኽበን እቲ ዓሌታዊ ግጭታት ክርኣይ ክኢሉ'ዩ።እዚ ድማ ንቐዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ካልእ ብድሆ'ዩ። "
ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኩናትን ኣብ ሲቪላት ዝወርድ ጉድኣትን ኣሜሪካ ብቐረባ ምክትታላ ከምትቕጽልን ኩሉ ፍጻመታት ብዕቱብ ከምዝርእይዎን ኣፍሊጡ ።