ባህርዳር —
ጸገማት ክፍጠሩ ከለው ድሕሪ’ቶም ጸገማት በዓል መን ከምዘለው ዘይንርዳእ ኣመራርሓ ኮይና ዘይኮነ ንህልውና ህዝቢ ኣምሓራን ሓድነት ኢትዮጵያን ክንብል አድላይ መስዋእትነት ንምክፋል ቆሪጽና ዝተለዓልና ህዝቢ ካብ ፓርቲ ንላዕሊ ይበልጽ’ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለና ኢና ክብሉ ሓላፊ ዓውዲ ፖለቲካ ማእከላዊ ኮሚተ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ አቶ ኣብርሃም አለከኝ ተዛሪቦም።
አባላት ፈጻሚ ስራሕን ማእኸላዊ ኮሚተ አዲፓ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት’ቲ ክልልን ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት በቲ ዝተራእየ ለውጢ ዝመጹ ረብሓን ብድሆታትን ገምጊሞም ኣለው።
ሓላፊ ዓውዲ ፖለቲካ’ቲ ፓርቲ ኣቶ ኣብርሃም አላይ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ክልል ባይታ ዲሞክራሲ ንምግፋሕ ሕቶ ህዝቢ ኣምሓራ ንምምላስ ዘኽእል ስራሕ ተሰሪሑ’ዩ በዚ’ውን ሰናይ ጅማሮ ተራእዩ’ሎ ኢሎም።