ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ አካቢት ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ወ/ሪት ብርቱኳን ሚድቅሳ


ፋይል - ወ/ሪት ብርቱኳን ሚድቅሳ

ኣካቢት ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወ/ሪት ብርቱኳን ሚድቅሳ፣ ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ንዝሳተፉ፣ መግለጺ ሰናይ መልእኽቲ ብፊስቡክ ኣሕሊፈን።

‘እቲ ቦርድ ብሕጊ ንዝተነበረሉ ሓላፍነት ከምዝዋጻእ’ውን’ መረጋገጺ ሂበን።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ሓደ ሓደ ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት’ታ ሃገር፣ ንወፍሪ መረጻ ከምዝጀመሩ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

መራሒ ፓርቲ ብልጽግና ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ንማንፌስቶ መረጻ’ቲ ፓርቲ ትማሊ ብወግዒ ኣፋሊጦም ኣለው። እቲ ማኒፌስቶ፣ ፓርቲ ምስ ህዝቢ ዝኣትዎ ኪዳን’ምበር ውዕል ኣይኮነን’ ኢሎም።

ኢዜማ ብወገኑ ‘ምስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከቢታት’ታ ሃገር ዝርከቡ መራሕቲ’ቲ ፓርቲ እናተራኸባ ይማኸር ከምዘሎ’ ጠቂሱ ኣሎ። መራሒ ኦፌኮ ዶ/ር መረራ ጉዲና ብወገኖም ‘ኣብ’ቲ መረጻ ንምስታፍ ድልየት ከምዘሎ እንተኾነ ከበድቲ ጸገማት ኣጓኒፎም ከምዘለው ገሊጾም’ ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG