ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ አባል ቤት ምክሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ካረን ባዝ ኣብ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ


ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ኣብ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ኣደ መንበር ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪቃ ካረን ባስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዝተርኣየ ህውከት ብዝምልከት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ንስድራ ኢትዮጵያዊ ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳን ሞቱ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ህውከት ግዳያት ንዝኾኑን ሓዘነን ገሊፀን።ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ድምፆም ክስምዑን ሰባት ሰላማዊ ናይ ምእካብ መሰሎም ክኽበረሎምፀዊዐን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ውጥረት ከምዘሎን ዜጋታት ጉህዮም ከምዘለውን ብምሕባር መንግስቲ ንኩሎም ኢትዮጵያዊያን ክመርሕን ሚዝናዊ ፍታሕ ክህበሉ:መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣወንታዊ ለውጥታት ምስርሑ ክቕፅል፣ምዕፃው ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከብቅዕ፣ ህድኣትን ምርግጋእን ከስፍንን ፀዊዐን።ጽልእን ህውከትን እናሰበኹ ኣብታ ሃገር ምክፍፋል ዝፈጠሩ ብቕልጡፍ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ወሲኸን ፀዊዐን ኣለዋ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ዳያስፓራ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ንሞት ዝተቐትለ ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳን ኣብ መላእ ኦሮሚያ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ተቓውምኦም ቀፂሎም ኣለው።

ትማሊ ሰሉስ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ኣብ ፊት ንፊት ማእኸል ኖበል ሰላም \Nobel Peace Center\ ድምፆም ኣስሚዖም።

ሓደ ካብ ኣተሓባበርቲ እቲ ማሕበረሰብ ንቀ/ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተውሃበ ሽልማት ሰላም ክምለስ ዝሓትት ደብዳበ ናብቲ ማእኸል ምርካቦም ገሊፁ።

ኣብ ደብዳብኦም ዴሞክራሲ ንድሕሪት ምምላሱ፣ኣብ ልዕሊ ሚዲያን ተቓወምቲ ውድባትን ይፍፀሙ ኣለው ዝበሉዎም በደላትን ዝተፈለየ ፖለቲካዊ እምነት ኣብ ልዕሊዘለዎም ሰባት ዝውሰዱ ዘለው ናይ ሓይሊ ስጉምትታትን ምዝርዛሮም ገሊፆም ።

ኣብዚ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ንካልኣይ ግዜ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ቀፂሉ ኣሎ። ኣብ ፓርትላንድን እውን ንቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳን ማእሰርቲ መራሕቲ ተቓወምትን ኣብ መላእ ኦሮሚያ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝቓወሙ ትማሊ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG