ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አማኻሪት ንዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝሃብኦ መግለጺ


ኣማኻሪት ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ጅምላዊ ህልቂት (ጄኖሳይድ) ኣሊስ ዋዪሪሙ ንዴሩቱ
ኣማኻሪት ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ጅምላዊ ህልቂት (ጄኖሳይድ) ኣሊስ ዋዪሪሙ ንዴሩቱ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ እናሰፍሐ ይካየድ ዘሎ ምግላልን ጅምላዊ ማእሰርቲን ከምዘሻቀለን፣ ኣማኻሪት ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ጅምላዊ ህልቂት (ጄኖሳይድ) ኣሊስ ዋዪሪሙ ንዴሩቱ ገሊጸን።

ንሰን እዚ ተግባር’ዚ፣ ብኣንጻር እቲ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ትካላት ዝቃላሕ ዘሎ መጸዋዕታ ምቁራጽ ተጻብኦን መስርሕ ልዝብን ጥራሕ ኣይኮነን፣ እንታይ ዳኣ፣ ጠንቂ ኣብ’ቲ ዞባ ይምዕብል ዘሎ ሓያል ታሪኻዊ ሳዕቤን’ውን ኮይኑ ኣሎ ኢለን።

ኣብ’ታ ሃገር የንቆልቁል ዘሎ ኩነታት፣ ከቢድ ከምዝኾነ፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰላማዊያን ሰባት ይቀተሉ ከምዘለውን ገበን ግፍዒ ናይ ምፍጻም ዕድል ከምዝህልዎ ኣጠንቂቀን።

እቲ መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ኩሎም ኣብ ውግእ ይሳተፉ ዘለው ሓይልታት፣ ግፍዒ ፈጺሞምን ይፍጽሙን ኣለው ይብል ።

እታ ሃገር፣ እቲ ዞባን መላእ ዓለምን፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይምዕብል ዘሎ ኩነታት ኢዱ ኣጣሚሩ ኮፍ እንተይሉ ዋግኡ ከቢድ ከምዝኸውን’ውን እቲ መግለጺ ጠቂሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG