ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ውድብ ግንቦት ሸውዓት ንመደረ ቀ/ሚ አብይ አሕመድ


ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ውድብ ግንቦት ሸውዓተ ንመደረ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብምድጋፍ መግለፂ ኣውፂኡ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብቕድሚ ትማሊ ንፓርላማ ኣብ ዘስምዕዎ መደረን ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ዝሃብዎ መልስን "ብፅሞና ተኸታቲለዮ ኣለኹ’’ ዝበለ መግለፂ ግንቦት ሸውዓተ፡ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር "ንሓቂ ደው ምባሎም ዘለዎም ድልውነትን ዝመርሑዎ ናይ ለውጢ ጉጅለ እውን ንሃገራዊ ምርድዳእ ዘርእዮ ዘሎ ድልውነት ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ዝሕብር እዩ ’’ይብል።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብምጥፍፋእ ስልጣን ምሓዝ ይኹን ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ግዚኡ ዝሓለፎ "ድሑር ፖለቲካ እዩ’’ ክብሉ ዕጥቓዊ ቓልሲ የካይዱ ንዘለው ሸውዓት ግንቦት፣ኦነግን ኦብነግን ብሽም ብምፅዋዕ ንዓመፅ ገዲፎም ናብ ሰላማዊ ቓልሲ ክሰጋገሩ ንዘስምዕዎ ፃውዒት እቲ ውድብ ዝኣምነሉ ምዃኑ ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ አሎ።

XS
SM
MD
LG