ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት G-7ን ላዕለዋይ  ወኪል  ሕብረት  ኣውሮጳን ኣብ ኩነታት ክልል ትግራይ


ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት G7
ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት G7

ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢን ልምዓትን ጉጅለ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት G-7ን ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣቐዲሞም ኣብ 2 ሚያዚያ 2021 ንኩነታት ትግራይ ብዝምልከት ዘውፅኡዎ መግለፂ ብምዝኽኻር ሎሚ እውን ብዛዕባ ዝቐጸለ ህውከትን እናገደደ ዝመፀ ቅልውላዋት ሰብኣውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ኣዚዩ የተሓሳስበና ኣሎ ኢሉ።

እቲ መግለፂ ንቕትለት ስቪላት፣ፆታዊ መድፈርትን ፆታዊ ምዝመዛን፣ዕንወትን ስርቅን ሃይማኖታውን ባህላውን ሓድግታት፣ብኣስገዳድ ምምዝባል ኣሽሓት ትግራዎትን ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ንኹንን ይብል ።

እቲ መግለፂ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ንጥሕሰትን መግሃስታትን ሰብኣዊ መሰላት ንምምርማር ዝተበጽሓ ስምምዕ ብሓጎስ ከምዝቕበሉዎ ብምግላፅ ኩሎም ወገናት ንስቪላት ንምክልኻልን ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ሕጊ ንምርግጋፅ ብዘይ ውዓል ሕደር ተፃብኦታት ጠጠው ክብል ፀዊዖም።ፆታዊ ዓመፅ ሓዊሱ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጠሓሱንዝግሃሱን ክሕተቱ ፀዊዑ ኣሎ ።

ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ኩሎም ኣካላት እናገደደ ይኸይድ ዘሎ ሕፅረት መግቢ ኣብ ግምት ብምእታው ዘይተገደበ ሰብኣዊ ተበፃሕነት ንምቕራብ ክፈቕዱ ንፅውዕ ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ሃለዋት ናይ ወፃኢ ሓይልታት ኣዚዩ ዘሰንብድን ምርግጋእ ዘስእንን እዩ ዝበለ እዚ መግለፂ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፁ እዮም ኢሎም ምእዋጆም ከምዝፍለጥ እንተኾነ ግን እዚ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ዘሻቕል እዩ ኢሉ።ብመሰረት እቲ መግለፂእቲ መስርሕ ምውፃእ ቅልጡፍ፣ ብዘይ ቅድመ ኩነትን ክረጋገጽ ዝኽእልን ክኸውን ኣለዎ ።

ኣብ ትግራይ ግልፅን ንኹሉ ዝሓቖፈ ፖለቲካዊ መሰርሕ ክጣየሽ ንፅውዕ ዝበለ እዚ መግለፂ ንግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘለዎም ቅሩብነት ሓቢሩ።ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣማኒ ምርጫ ሰፊሕ ሃገራዊ ዕርቅን ንምርግጋፅ ንኹሉ ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ መስርሕ ንፅውዕ ኢሉ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢን ልምዓትን ጉጅለ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት G-7ን ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳን ብሓባር ዘካየዱዎ ኣኼባ ስዒቡ ዘውፅእዎ መግለጺ ብዛዕባ ናይ ወፃኢን ድሕነትን ፖሊሲ ናይ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ናይ ብዙሓት ሃገራትን ዞባታት፣ክፉት ማሕበረሰባትን ነባሪ ዳግመ ሕውየትን ዝብል ዝሓቖፈ እዩ።

XS
SM
MD
LG