ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጂ7 ኣብ ጉዳይ ትግራይ


ኣብ ብሪጣንያ ንሰለስተ መዓልታት ዝዘተዩ መራሕቲ ብቁጠባ ናይ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓት G7 ሰፊሕ መግለፂ ብምውፃእ ዋዕልኦም ዛዚሞም።

ዓለምለኸ ሓላፍነትን ስጉምትን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ መግለጺ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝቐፀለ ግጭትን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ኩነታት ዓፀቦ ዝርከቡ ሓዊሱ ኣብ ዝለዓለ ሰብኣዊ ሓደጋ ከምዘለው ብዝሕብሩ ፀብፃባት ብዓሚቕ ተሻቒልና ኣለና ይብል ።

ሰፊሕ ፆታዊ ዓመፅ ሓዊሱ ንቀፃሊ ግፍዕታት ንኹንን ዝበለ እቲ መግለፂ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ንሰብኣዊ መሰላት ይካየድ ዘሎ ምርመራታት ብሓጎስ ንቕበሎ፣ኣብ ትግራይ ተፈፂሞም ዝብሃሉ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ተሓታትነት ክረጋገፅን ፈፀምቲ ናብ ፍትሒ ክቐርቡን ንፅውዕ ይብል።

ተፃብኦታት ብዘይ ውዓል ሕደር ጠጠው ክብል ንፅውዕ፣ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ኩሎም ከባቢታት ዘይተደረተ ተበፃሕነት ክረጋገፅን ወታሃደራት ኤርትራ ብዘይውዓል ሕደር ክወፁን ንፅውዕ ይብል።

እቲ መግለፂ ብምውሳኽ ኩሎም ወገናት እንኮ መፍትሒ ናይቲ ቅልውላው ዝኾነ ተኣማኒ ፖለቲካዊ መስርሕ ክስዕቡ ነተሓሳስብ ይብል ።

ብተወሳኺ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንቅድሚት ዝጥምት ሃገራዊ ዕርቂን ምርድዳእን መሰረት ዝገበረ ሰፊሕን ሓቋፊን ፖለቲካዊ መስርሕ ከሰጉሙ ንፅውዕ ኢሉ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG