ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ብልጽግና ፓርቲ ክልል ኣምሓራ


የአማራ ብልጽግና ፓርቲ፣ የአማራ ብሔራዊ ንቅናቄ (አብን) : የአማራ ዴሞክራሲያዊ ኀይል ንቅናቄ (አዴኃን) መግለጺ
የአማራ ብልጽግና ፓርቲ፣ የአማራ ብሔራዊ ንቅናቄ (አብን) : የአማራ ዴሞክራሲያዊ ኀይል ንቅናቄ (አዴኃን) መግለጺ

ቤት ጽሕፈት ፓርቲ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ብንፋስ መውጫን ወልድያን ሸሊኹ ንክኣትው ዝፈተነ ሓይሊ ንክምለስ ከምዝተገብረ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ኣብራሃም አለኸኝ ምስ ሓለፍቲ ብሄራዊ ምንቅስቃስ አምሓራን ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ አምሓራን ኮይኖም ኣብ ባህርዳር መግለጺ ሂቦም ኣለው።

ኣቶ አብራሃም ኣለኸኝ "ብፓርላማ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ዝተባሃለ ህወሓት፣ ንኢትዮጵያ ብሕልፊ ድማ ንኣምሓራ ይኸቦም ኣሎ" ኢሎም። ንሶም ወሲኾም "ብንፋስ መውጫን ብወልድያን ሸሊኹ ክኣቱ ዝፈተነ ሓይሊ፣ ብህዝቢ፣ ፍሉይ ሓይሊን መከላኸሊ ሰራዊትን ንክምለስ ተገይሩ፣ ወረራ ኣብ ዝፈጸመሎም ከባቢታት፣ ንደቂ ኣንስትዮ ደፊሩ፣ ንዓበይቲ የሳቂ፣ ንመናእሰያት ይቀትል ኣሎ" ኢሎም ከሲሶም::

"ህወሓት ወያነ ወራር ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ኣትሒዙ፣ ዕለታዊ ዝቆጻጸሮም ከባቢታት ብርክት ዝበሉ እዮም። ኣብ ሰሜን ወሎ፣ ኣብ ደቡብ ጎንደር ንፋስ መውጫ ዝላዓለ ምንቅስቃስ ዝገብረሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። አብ ዝኣተዎም ከባቢታት ከቢድ ኪሳራ ኣብ ምብጻሕ እዩ ዝርከብ። ንዓበይቲን መናእሰያትን እናሃደነ ይቀትል። ንደቂ አንስትዮ ይደፍር፣ ንህጻናት የሸማቅቆም ኣሎ።"

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ፈደራል መንግስቲ "መንግስቲ ክልል ትግራይ ፈሪሱ እዩ። ኣብ ትግራይ ስልጣን ዘለዎ ጊዚያዊ ምምሕዳር እዩ" ይብል። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝባሃል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ኣብ ቴለቭዥን ትግራይ ቀሪቡ ንእዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃለ ምልልስ ከምዚ ኢሉ ነይሩ "መግለጺ ክልል ኣምሓራ፣ ሎሚ’ውን ግንባር ራያ እዩ ዝብል። ራያ ዑፍ’ውን አይትበረሉን። ወልድያ ነጻ መሬትና እዩ። ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ዘመሓድርን ናይ ምርግጋእ ስራሕ እዩ ይፍጽም ዘሎ። መርሳ ነጻ መሬትና እዩ። ይኹን’ምበር፣ መግለጺ ክልል ኣምሓራ ንመርሳ ነጻ ኣውጺእና ይብል ኣሎ። ካብ መን’ዮም ነጻ ኣውጺኦምዋ? ጽቡቅ ገይሮም እዮም ዝሕስው። ንሰብ ዘለዎም ንዕቀት እዮም ዝገልጹ" ክብል ተሰሚዑ ኣሎ።

ኣብ ባህርዳር መግለጺ ዝሃቡ ሓለፍቲ ሰለስቲኤን ፓርቲታት፣ ህዝቢ ኣምሓራ ነቲ ናይ ህወሓት ፕሮፓጋንዳ ዝበልዎ ንከይደናገርን ብሓደ ደው ክብልን’ውን ከምዝጸውዑ ተገሊጹ'ሎ።

እቶም ሰበ ስልጣን፣ ኣብ መዕቆቢ ካምፕ ስደተኛታት ዓፋር ብህወሓት ተፈጺሙ ዝበልዎ ጥቅዓት ንዝተጎድኡ ሓዘኖም ገሊጾም፣ ንተፈናቀልቲ ዓለም ለኸ ደገፍ ንክብረሎም ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG