ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መግለጺ


ኣባላት ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሓሙስ 4 ሚያዝያ 2021 ኣብ ዝነበሮም ሓባራዊ ኣኼባ ነዚ ዝቅጽል መግለጺ ኣውጺኦም ኣለው። ብመሰረት'ዚ መግለጺ'ዚ፣ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ንፈለማ ጊዜ ካብ ስቅታ ናብ መግለጺ ምሃብ ከምዝሰገረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለጺ ብከምዚስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ፣ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ፣ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት፣ ምስትውዓል ዘለዎ ሻቅሎቶም ገሊጾም።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ንምልጋስን ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዛት ንክዋሃብ ዝገበሮ ተበግሶን ኣፍልጦ ይህብ። እንተኾነ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሰብኣዊ ብድሆታት ኣጓኒፉ ከምዘሎ ኣፍልጦ ሂቡ ኣሎ። ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ክውስኽ ከምዘለዎን ናብ ኩሎም ዘድልዮም ሰባት ብመንጽር ኩነተ ውሕስና መግቢ፣ ረድኤት ብዘይምትዕንቓፍ ንክባጻሕን ጸዊዑ።

ዓለምለኸ ጻዕሪታት ረድኤት፣ ምስ መትከላት ሕቡራት ሃገራት ተሳንዩ ብመሰረት ሰብኣዊነት፣ ዘይሻራዊነትን ነጻ ብዝኾነ ኣገባብን ምብጻሕ ንክቅጽል እቲ ቤት ምኽሪ ጸዊዑ።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ጸጥታ፣ ንወፍሪታት ሰብኣዊ ሓገዝ ይዕንቅፍ ከምዘሎ ኣስተብሂሎም፣ ኩነታት ናብ ንቡር ንክምልሱ’ውን ጸዊዖም።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ክልል ትግራይ ተፈጺሞም ብዛዕባ ዝባሃሉ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን በደላትን፣ ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕትን ዝሓደሮ ዓሙቕ ሻቅሎት ገሊጹ። ፈጸምቱ ንምንጻር ምርመራ ንክካየድን ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ’ውን ጸዊዑ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተፈጸሙ መግሃስታትን ግፍዒታትን ሓባራዊ መስርሕ ምጽራይ ንከካይዱ ምውስኖም’ውን ተቀቢሉዎ።

ብዘይካ'ዚ፣ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኮምሽን ሰብኣዊን ህዝባዊን መሰላት ኣፍሪቃ፣ ኣብልዕሊ’ዚ ጉዳይ’ዚ ምጽማዱ’ውን ተቀቢሎምዎ ኣለው።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ብዓለምለኸ ሕጊ ምቅያድ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣስሚሮምሉ ኣለው።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ንከም ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝኣምሰሉ ዞባዊን ኣህጉራዊያንን ትካላት ዘለዎም ብርቱዕ ደገፍ ገሊጾም፣ ሓቢሮም ከምዝሰርሑ’ውን ኣረጋጊጾም።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ንሉኣላዊነት፣ ፖለቲካዊ ነጻነት፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሕብረትን ኢትዮጵያ ዘለዎም ጽኑዕ ደገፍ’ውን ኣነጺሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG