አዲስ አበባ —
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ሕግን ሕገ መንግስቲን ስርዓትን ወጻኢ ስልጣን ንምጭባጥ ዝፍትኑ ሓይልታት ኣበቲዖም ኣተሓሳሲቦም።
መንግስቶም ሃገርን ህዝብን ንምህላው ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝወስድ’ውን ኣትሪሮም ኣጠንቂቖም።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ዝበሉ ሎሚ ረፋድ ካብ ቤት ጽሕፈቶም ብቴሌቭዥን ኣብ ህጹጽ ኩነታት ሃገርን ፖለቲካን ዝምልከት ዝሃብዎ መግለጺ’ዩ።