ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ህልው ኩነታት


ፋይል
ፋይል

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ንህዝቢ ትግራይ ዘለና ሓልዮትን ንማሕበረሰብ ዓለም ዘለና ቦታን ንመጨረሽታ ግዜ ኣርኢና ኢና ኢሉ።

ንህዝብና ክንብል ዝኸፈልናዮ ዋጋ ብሰንኪ ዘይተረድኦም ድኹማት ምኽንያት ውጽኢት ኣየምጽአን ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ፡ `ጁንታ` ኢሉ ዝጽውዖ ህወሓት ፡ንህልውና ኢትዮጵያ ቀንዲ ጸላኢ ምዃኑ ዳግም የመስክር ኣሎ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣተሓሒዙ ንህጻናትን መንእሰያትን ብኣደንዛዚ ሓሺሽ እናዕበደ ናብ ኩናት ይኣጉዶም ኣሎ ሰራዊት ምክልኻል ድማ ነዞም ህጻናት ወተሃደራትናይ ምድሓን ሞራላዊ ግዴታ ወዲቕዎ`ሎ ኢሉ።

ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ኩሉ ዘድሊ ነገር በቲ ዝግባእ መንገዲ ክገብሮ`ዩ ኢሉ ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ብዛዕባ ዝውሰድ ስጉምቲ ግን ዝርዝር ኣይሃበን። ብኻልእ ወገን ሰራዊት ምክልኻል ትእዛዝ ኣብ ዝተዋህቦ እዋን ዘድሊ ዘበለ ስጉምቲ ክወስደሉ ኣብ ዝኽእል ዓቕሚ ከምዝርከብ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ኮ/ሌ ጌትነት ኣዳነ ኣፍሊጡ`ሎ።

ንባዕሉ ናይ ትግራይ መከላኸሊ ሓይሊ ኢሉ ዝጽውዕ ህወሓት ዝመርሖ ሓይሊ፡ ንኣላማጣን ኮረምን ምቁጽጻሩ ድሕሪ ምግላጹ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንመጀመርያ ግዜ ብጽሑፍ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 'ጁንታ' ኢሉ ዝጸውዖ ህወሓትን ንዓለም-ለኸ ማሕበረሰብን ነቒፉ`ሎ።

ነቲ ግጭት ናብ ዝሓመቐ ኩነታት ንዘይምውሳድ ንእዋን ሕርሻ ዕድል ንምሃብ ከምኡ`ውን ቀረባት ረድኤት ብዘይ ምስምስ ንክሳለጥ ክንብል ኣብ ሰብኣውነት ዝተመስረተ በይናዊ ተኹሲ ደው ምባል ጌርና ዝበለ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ፡ንሰላም ዝተወሰነ ዋጋ ከምዘኽፍለና ንፈልጥ`ኳ እንተኾና እዚ ግን ናይ መጨረሽታ ሰለማዊ ዕድል`ዩ ኢሉ።

ኣስዒቡ ፡"ድሙ እንተመንኮሰት`ውን ኣመላ ኣይትርስዕን`ያ ከምዝብሃል፡ ጁንታ መንገዲ ሰላም ክወሓጠሉ ኣይክኣለን። በዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ዓቕሚ ከይተረፈ ብዘይ ግጭት ውዒሉ ክሓድር ኣይክእልን`ዩ" ኢሉ።

ንህዝብና ክንብል ዝኸፈልናዮ ዋጋ ብሰንኪ ዘይተረድኦም ድኹማት ምኽንያት ውጽኢት ኣየምጽአን ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብቲ መግለጺኡ፡ " ጁንታ ንህልውና ኢትዮጵያ ቀንዲ ጸላኢ ምዃኑ ዳግም የመስክር ኣሎ። ነዚ ድማ ንምሉእ ህዝብና ኣተሓባቢርና ክንዓጽፎ ኢና። ብሓደ ወገን ሰብኣዊ ረድኤት ክቀላጠፍ እናሰራሕና፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ናይ ወጻእን ውሽጥን ጸላእትና ተናቢቦም ዝኸፈቱልና መጥቃዕቲ መኪትና ክንዓጽፎ ኢና" ይብል ።

ኣተሓሒዙ "እቲ ጁንታ ኣብ በዓቲ ኣትዩ፡ ህዝቢ ብጥምየት ክውዳእ`ዩ እናበለ የማርር ኔሩ። ንህዝቢ ተባሂሉ ተኹሲ ደው ምስ ኣበልና ድማ ነቲ ናይ ጥምየት ኣጀንዳ ገዲፉ ናይ ኩናት ነጋሪት ክወቅዕ ጀሚሩ" ኢሉ።

መግለጺ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ"ዓለም-ለኸ ማሕበረ-ሰብ ብዛዕባ ረድኤትን ጥምየትን ክዛረብ ምጽንሑ ረሲዑ፡ እቲ ጁንታ ንህጻናት ከሰልፍ ከሎ ከይተረፈ ስቕታ መሪጹ`ሎ" ይብል ።

መተሓላለፊ መስመራት ረድኤት ናይ ግጭት ቦታታት እናገበሮም ከሎ፡ ትካላት ረድኤት ሕጂ`ውን ንመንግስቲ ምውቃስ ደስ ይብሎም ዝበለ ዶ/ር ኣቢይ፡ ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ኩሉ ዘድሊ ነገር በቲ ዝግባእ መንገዲ ክገብሮ`ዩ ኢሉ።

ኣስዒቡ፡"ህዝብና ካብ ናይ ሓሶት ሓበረታን ካብ ናይ ጸላኢ ፕሮፓጋንዳን ንባዕሉ ከርሕቕ ሕጂ`ውን ክነተሓሳስብ ንደሊ፡ጁንታን መሻርኽቶምን ዘለዎም ዓቕሚ ሓሶት ምፍብራኽ ጥራይ`ዩ፡ ናይ ውሽጥን ወጻእን ሓይልታት ንፖሮፓጋንድኦም ኣወሃሂዶም ንህዝብና ንምክፍፋል ይሰርሑ`ለዉ" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድነዚ ድማ ህዝብና ከም ናይ ቅድሚ ሎሚ ከም ሓደ ሰራዊት ኮይኑ ንህልውና ሃገሩ ደው ብምባል፡ ንሰራዊት ምክልኻል ብኹሉ ነገር ብምድጋፍ ናይ ወጻኢ ተጽዕኖን ናይ ውሽጢ ትኹተዃን ክምክትን ክዓጽፍን መጸዋዕታ ነቕርብ ይብል ::

እቲ ቀዳማይ ሚንስተር መንግስቲ ኣድላዪ ዝበለ ነገር ኩሉ ክንገብር ኢና ካብ ምባል ንላዕሊ ብዛዕባ ዝውሰድ ስጉምቲ ዝበሎ ነገር የለን።

እንተኾነ፡ ሰራዊት ምክልኻል ትእዛዝ ኣብ ዝተዋህቦ እዋን ዘድሊ ዘበለ ስጉምቲ ክወስደሉ ኣብ ዝኽእል ዓቕሚ ከምዝርከብ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ኮ/ሌ ጌትነት ኣዳነ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኮሌኔል ጌትነት ኣተሓሒዙ ስጉምቲ ተኹሲ ደው ምባል ብካላሽንን መድፍዕን ጥራይ ኣይኮነን ብቓላት ካብ ምውርዋር ምቑጣብ`ውን ዘጠቓለለ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ መኣስን እንታይን ክንገብር ከምዘለና ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና፡ ሰራዊት ምክልኻል ትእዛዝ ኣብ ዝበጽሖ ግዜ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክወስድ ኣብ ዝኽእለሉ ቑመና ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ በይናዊ ተኹሲ ደው ምባል እንተኣወጀ`ኳ፡ ሓይልታት ህወሓት ንራያን ሑመራን ወሲኽካ ምትኹታኽ እንተገይሩ ከቢድ ዓጸፋዊ ክውሰደሉ ክብል`ውን ዋና ኣተሓባባሪ ዓቕሚ ሰብ ሰራዊት ምክልኻል ሌና ባጫ ደበሌ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ተዛሪቡ ኔሩ`ዩ፡:

ብኻልእ ወገን፡ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ ምስግጋሩ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን`ቲ ኽልል ግዛቸው ሙሉነህ ኣፍሊጡ`ሎ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::

መግለጺ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ህልው ኩነታት
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:51 0:00


XS
SM
MD
LG