ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንባይቶ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ


ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሃገሮም ብውዲት ማዕበል ነቀፌታ ዓለም ትሓልፍ ብምህላዋ ኣፍሪቃውያን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ክብሉ ባይቶ ፀጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየዶ ዕፁው ኣኼባ ፀዊዖም ።

ምኽንያት እዚ ማዕበል ነቀፌታን ጠቀነን ሃገሮም ኣብ ግዛአታ ሕጊ ንምኽባር ንእትገብሮ ዘላ ምንቅስቃስ ስዒቡ ዝመፀ ምዃኑ'ውን ተዛሪቦም ።

ብተወሳኺ ኣብ'ዚ ሰሙን ስልጠነኦም ንዝዛዘሙ ሰብ ሰናይ ተግባር መናእሰይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ 'ውን ዝዓበየ ዝነኣሰ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እንተዘመተ'ውን ሃገሮም ግን ንዝኾነ ተጽዕኖ ጠጠው ከምዘይትብል ኣፍሊጦም ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ተጽዕኖ ታሪኽ ንርእሱ ዝደገም ዘሎ ይመስል ክብሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምሕር ፖለቲካዊ ሳይንስ ፕሮፌሰር ካሳሁን ብርሃኑ ምስ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝሰማምዑ ርእይትኦም ሂቦም ኣለው ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ተኸታተሉ።

XS
SM
MD
LG