ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንአባላት ፓርላማ


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሶኑይ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝወሰዶ ሕጊ ናይ ምኽባር ዝበሎ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጉድኣት ከምዘይወረደ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰራዊት ብሓላፍነትን ብተሓታታይነትን መንፈስ ከምዝሰርሕ'ውን ኣፍሊጡ።


ዶ/ር ኣቢይ ብድሮን ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት 99 ሚእታዊት ዕላማና ሃሪምና ኢና፡ 99 ሚእታዊት ድማ ብዘይ ጉድኣት ኢና ፈጺምናዮ ኢሉ ።

መራሕቲ ህወሓት ኣብ ከባቢ ሃገረ ሰላም'ዮም ዝተኣኻኸቡ ዘለዉ ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ትማሊ ምሸት ኣብ መንጎ ሃገረ ሰላምን ዓቢይ ዓድን ዝነበሮም ትርምስ ርኢናዮም ኢና ግን ኣንስቶምን ቆልዑቶምን ከምኡ'ውን ዝሓዝዎም ናትና መኮንናት ሒዞሞም ስለዝሃደሙ እናረኣናዮም ክነጥቅዖም ኣይደለናን ኢሉ።

ትማሊ ሰንበት መራሒ ህወሓት ድበረጽዮን ገብረሚካኤል ናብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብጽሑፍ ኣብ ዝልኣኾ መልእኽቲ ፣ ነፋሪት ኢትዮጵያ ከም ዘውደቑን ንሓንቲ ከተማ`ውን ካብ ሓይልታት ፈደራል ከምዘሕደጉን ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ`ሎ:ይኹን ደአ እምበር ነዚ ሓበሬታ ካብ መንግስቲ ኮነ ካብ ምክልኻል ግን ዝተዋህበ መልሲ የለን:ብነጻ አካል’ውን ክጻረ ኣይተኻእለን።

ብኻልእ ወገን፥ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብታ ከተማ ብቐዳም ምሸት ሽዱሽተ ድምጺ ኣጽዋር ከምዝሰምዐ ኣፍሊጡ`ሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ፡ ሰራዊቱ ንርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ምቁጽጻሩ ድሕሪ ምሕባሩ`ዩ። ንመራሕቲ ህወሓት ኣብ ምድላይ ከምዝርከቡ`ውን ሓቢሩ`ዩ።

ብኻልእ ወገን፥ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ መቐለ ዝርከብ ሆስፒታል ሕጽረት መጠቕለሊ ሬሳ`ኳ ከምዝሓጸሮን፥ ንዝቖሰሉ ንምሕካም ዘድሊ ቀረባት ይውዳእ ከምዘሎን ኣፍሊጡ`ሎ። ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ መራኸቢታትን ተሌፎናትን ምዕጻዉ ነቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮ`ውን ይጥቀስ ኣሎ።

በቲ ግጭት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ምሟቶምን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ናብ ሱዳን ምህዳሞምን ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG