ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሰበ ስልጣን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብሰኑይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣመልኪቱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ አሕመድ ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ፤መንግስቲ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ዘውፃኣሉ ምክንያት ክገልፁ ከለዉ እቶም ዘስግኡና ዝነበሩ ሚሳይላትን ካልኦት ኣፅዋራትን ኣውፂእናዮም ኢና ። ሎሚ ከም ትማሊ ዘስገኣና ነገር የለን ኢሎም ። ምስ ክረምቲ ተተሓሒዙ ቀዳምነት ዝህብዎም ተግባራት ምህላዎም'ውን ሓቢሮም ።

“ንሕና ዝወሰንናዮ ሓይሊ ምክልኻል ሃገር ህዝቢ ከም ፀላኢ ቆፂሩ ፣ ኣብ ታሪኹ ፀሊም በሰላ ገዲፉ ፣ ንሱ'ውን እናተጠዓሰ ዝነብረሉ ኣብ ታሪኽ ዓለም'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓልሉ ኩነታት ካብ ዝፍጠር ደጀንና ናብ እንብሎ ህዝቢ ተፀጊዕና ከምቲ ዝተባህለ ነቲ ህዝቢ ናይ ፅሞና ግዜ ንሃቦ ኢልና ኢና ወሲንና ። ከምቲ ዝተባህለ ካብ 1-2 ወርሒ ኣብ ዘሎ እዋን ርግፀኛ እየ ፃዕርን ድካምን መንግስትን ሓይሊ ምክልኻልን ክንርእዮ ኢና ።ዝሓለፈ ዓመት ዘስጋኣና ዝነበረ ነገር ሎሚ ኣየስጋኣናን ምስኡ'ውን ብተወሳኺ ብፍላይ ኣብዚ ኽረምቲ እንህቦ ካልእ ጉዳይ ስለዘሎና ገንዘብና ፣ሰብናን ዕጥቅናን ቆጢብና ናብቲ ቀንዲ ውራይና ጠመተ እተንገብር ይሓይሽ ብዝብል እዩ ።”

መንግስቲ ኢትዮጵያ አብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ሓያሎ ተጽዕኖታት ምኳኑ ዝገለጸ ቀ/ሚ መቐለ ኣብዚ እዋን ካብ ካልኦት ከባቢታትት ኢትዮጵያ ብዝተፈለየ ምንጪ ስግኣትና ኣይኮነትን ክብሉ ተዛሪቦም ።

“ትማሊ ካብ መቐለ ክንወፅእ ከለና ኩሉ ሰንቢዱ እዩ። ንስኹም 'ውን ተሰናቢድኹም ኢኩም ።ቅድሚ 7-8 ኣዋርሕ ናብ መቐለ ክንኣቱ ከለና ዝነበረ ማእከል ስሕበት ጎንፂ ማእከል መንግስቲ ፣ ማእከል ንፈልጦን ዘይንፈልጦን ሃብቲ እያ ነይራ ። ሎሚ ግን ክንወፅእ ከለና ኣብ ውሽጢ ተሰግሲጎም ዝሰርቁ ፣ዝዘርፉ 80,000 ዝፅግዑ ሰባት ካብ ምውሳኹ ወፃኢ ካብ ዓብዪ ዓዲ ፣ሸራሮን በሻሻን ዝፈልያ ነገር የለን ።ማእከል ስሕበትነታ ስኢና'ያ ። ኣብዚ እዋን ብዘሎ ኩነታት ብወታሃደራዊ ዓይኒ ክረኣይ ከሎ ከምቲ ክንከይድ ከለና ዝነበረ ዘሃንጥይ ነገር የብሉን ።”

ከምኡ'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦን ሰራዊቱ ካብ ክልል ትግራይ ከምዘውፀኦን ዝምልከት ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳዶር ሬድዋን ሑሴንን ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣተሓባባሪ ህንፀት ሰራዊት ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ሎሚ መብርሂ ሂቦም ።

እቲ ንከባቢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝፀንሐ ጎንፂ ህይወት ብዙሓትን ብርክት ዝበለ ንብረት ከምዘዕነወ ዝገለፁ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ከምሃገር ንርእሳ እትከላኸለሉ ዝነበራ ዓቅሚ ብዝለዓለ ኩነታት ዝሃሰየ ሸሞንተ ምኳኑ ገሊፆም ።

ኣብ ፅባሕ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተከፍተ ኲናት ሱዳን'ውን ብኸባቢ ምዕራብ ኢትዮጵያ ወራር ምፍፃማ ብምጥቃስ እዚ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ንወረርቲ ደገ ከምዘቃልዓ'ውን ተዛሪቦም ። ከምኡ'ውን እናተጋደደ ዝመፀ ዓለምለኸ ተጽዕኖ ንሓረስታይ እቲ ኽልል'ውን ኣብ ግምት ብምእታው ስራሕቱ ዝውግነሉ ዕድል ንምፍጣር ተባሂሉ መንግስቲ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ገይሩ ሰራዊቱ ካብቲ ክልል ክወፅእ ክውስን ከምዝገበርዎ ገሊፆም ።

ዋላ'ኳ ህወሓት ኣብ ኲናት ብዝተረክበ ዓወት ንመቀለ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ትግራይ ምቁፅፃሩ እንተገለፀ ኣምባሳደር ሬድዋን ግን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ክልል ዝወፀ ብዝተዋህቦ ፖለቲካዊ ውሳነ ምኳኑ እዮም ዝገልፁ ። ብምኳኑ'ውን ንቀፃሊ ኣብታ ክልል ንዝፍጠር ፀገም መንግስቲ ምኽንያት ንኸይኸውን ክብል ኣብዚ ውሳነ ምብፅሑ ኣብሪሆም ።

“እቲ ውሳነ ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ ። ሓደ ሰበብ ንዘይምዃን እዩ ፤ ብካልእ መዳይ ይመፀና ዘሎ ነባራዊ ሓደጋ ብኣንፈት ምዕራብ ዝተዳለወልና ዕድመ ኣሎ ክንፃወር እንተኾይና ሰራዊትናን ሓይልናን ኣኪብና እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ምምካት ቀንዲ ስራሕና ክኸውን ይግባእ። ሃገራዊ ፃውዒት ምዃኑ ስለዘይተርፍ ።ብኻልእ ወገን እናብላዕና እናስተና ሰበብ እንኾነሉ ፣ተወቀስቲ እንኾነሉ ምክንያት ተሪፉ ረዲኤት ክባፃሕሉ ዝኽእለሉ መንገዲ ምፍጣር ፤ ክሕግዝ ነይረ ግን ዕድል ኣይረኸብኩን ንዝብሉ ናብ ውሽጢ ኣትዮም ቃለ መሕተት ኣካይዶም ፎቶ ተሳኢሎም ክምለሱ ዕድል ዘይሰኣኑ ንሓገዝ ግን መገዲ ንዝሰኣኑ ብግልፂ ሰበብ ንዘይምኳን ገዲፍና ምውፃእና ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ ። መበገሲኡ ሰብኣውነት እዩ ። እቲ እዋን አዝመራ ስጋብ ዝሓልፍ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቃስ ኣይህሉን ።"

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ከተግብሮም ዝተሓበርዎ ገይሩ ኣሎ" ዝበሉ ኣምባሳደር ሬድዋን ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብቲ ክልል ንዝፍጠር ዝኮነ ዓይነት ፀገም ዝሕተት ህወሓት እዩ ኢሎም ።

“ዘይተወሰነ ተበፃሕነት ክህሉ ይግባእ ፣ ረዲኤት ከነብፅሕ ንደሊ ኢና ንዝብሉ ወፄእና ኣሎና ክሕግዙ ይክእሉ እዮም ። ተኹሲ ጠጠው ኣብሉ ዝብሉ ዝነበሩ ድሕሪ ምውፃእና ሳልሳይ መዓልቲ 'ውን ከይተረፈ ዝብሉ ዝነበሩ ጠጠው ኣቢልና ኣሎና ሰራዊትና 'ውን ወፂኡ ኣሎ ። ስለዝኾነ ካብ ሕጂ ንደሓር ተኹሲ እንተሃልዩ ፣ ቅትለት እንተተፈፂሙ ከምቲ ንሰምዖ ዘለና ምስ መንግስቲ ሓቢርኩም ነይርኩም ተባሂሉ ሰባት ይቅተሉ ምህላዎም ንሰምዕ ኣለና። በዚ መገዲ ተሓታትይ ዝኸውን እቲ ኣሸባሪ ተባሂሉ ዝተረቑሐ ኣካል እዩ ዝኸውን ። ዓለም ኣብዚ እዋን ንኢትዮጵያ ምምራር ዘይኮነስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግበር ዝተባህሎ ገይሩ ኣሎ ኢዱ ኣኪቡ ኣሎ ሰራዊቱ'ውን ኣኪቡ ኣሎ ። ነቲ ዝምልከቶ ተሓታታይ ምግባር ክለምድ ይግባእ ።”

ሰራዊት ኤርትራ'ውን ጠቅሊሉ ምውፅኡ ዝጠቀሱ ኣምባሳደር ሬድዋን ይኹን እምበር ህወሓት ተመሊሱ ንኽመፅእ ይዕድሞ ምህላዉ ብምግላፅ ማሕበረስብ ዓለም ካብዚ ተግባሩ ንኽእርነብ ከጠንቅቅዎ ፃውዒት ኣቅሪቦም ።

“ኤርትራ ክትወፅእ ኣለዋ ይበሃል ነይሩ ። መንግስቲ'ውን ደጋጊሙ ከምዘየድልይዎ ገሊፁ ነይሩ ። ሕጂ'ውን ብግልፂ ወፂኦም ኣለዉ ። ምውፅኦም ዘረጋገፀ ሓይሊ'ውን ክኽተለኩም እየ እዩ ዝብል ዘሎ ። ይውፁኡለይ ዘይኮነስ ስጋብ ኤርትራ ክክተለኩም እየ እዩ ዝብል ዘሎ ። ስለዝኾነ ሕጂ'ውን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ገዝኦም ተመሊሶም ክመፁ እዮም ዝዕደሙ ዘለዉ ። ዓንተዉኡ'ውን መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ሕምስምስ ንምትራፍ ኢሉ እዩ እዚ ውሳነ ዝወሰነ ። ብምኳኑ ንዝተረፈ ኲናት ከቀፅል እየ ንዝብል ሓይሊ ዓለም ዓገብ ክብሎ ይግባእ።“

ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰሙን ኣቢላ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከምተውፅእ ንገለ ገለ ኣካላት ወጻኢ ኣፍሊጣ ብምንባራ ካብኣቶም ሓበሬታ ዝረከበ ህወሓት'ውን ኣብ ሰራዊቶም መጥቓዕቲ ክፍፅም ምፍታኑ ገሊፆም ። ምስዚ ተተሓሒዙ ሓደ ሓደ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ንህወሓት ዘዕጥቁ ምንባሮም ዝገለፁ ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብዚ እዋን ናብ ትግራይ ዝኸይድ ኣቁሑ ልዑል ቁፅፅር ከምዝግበረሉ ተዛሪቦም ።

ህወሓት ኣብ ደባይ ውግእ ህዝቢ ትግራይ ምስ ሓይሊ ምክልኻል ናይ ምግጫው ተግባራት ምፍፃሙ ዝገለፁ ድማ ሌተናል ጄኔራል ባጫ ደብውሌ እዮም ።እዚ ጠጠው ንምባል ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ከምዝድግፉ 'ውን ገሊፆም ።

ህወሓት ብዝለዓለ ኩነታት ሓይሉ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ሓይልታት ምክልካል ኢትዮጵያ ስዒሩ ግዝኣቱ ምቁፅፃሩ እንተገለፀ 'ውን ፣ ሌተናል ጄነራል ባጫ ግና ሰራዊት ንዝያዳ ዘስግእ ሓደጋ እታ ሃገር ንምክልኻል ክብል ካብታ ክልል ምውፅኡ 'ዮም ዝሕብሩ ። ንሶም ወሲኾም ኣብዚ እዋን ህወሓት ስግኣት እዛ ሃገር ኣይኮነንን ይብሉ።

“ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ህወሓት ትርጉም ዘለዎን ን ኢትዮጵያ ከስግእ ካብ ዝኽእል ደረጃ ወሪዱ እዩ።ስለዝኾነ ንሕና ካብ ትግራይ ወጺእና ነቲ ንሓስቦ ስግአት ምድላውና ኣድላይን ግዴታን 'ውን እዩ ። ካብ ትግራይ ተሳዒሩ እዩ ወፂኡ ንዝብል መንስዒሩዎ ንሕና ካብ መቀለ ክንወፅእ ከለና ብኣሻሕት ዝቁፀር ኮንቮይ ሒዝና ብፀሓይ ቀትሪ እዩ ። ሓይሊ እንተዝህልዎም ድኣ ንኸይንወፅእ ምክልካል ምኸኣሉ ነይሮም ። ሓይሊ ግን የብሎምን ።”

ከምኡ'ውን ንሶም “ኣሸባሪ” ክብሉ ዝፅውዑዎ ህወሓት ኣብከባቢታት ሑመራን ራያን ክንቀሳቀስ እየ ዝብል ሓሳብ እንተሃልዩዎ ተዓፃፃፋይ ስጉምቲ ክውሰዶ ኣጠንቂቆም። “ሕጂ ከምቲ ንሰምዖ ዘለና ናብ ምብራቅ ምዕራብ ክኸይድ እየ ዝበሃል ነገር ኣሎ ።ናብ ማእከል ሃገር ፣ሑመራ፣ዓፋርን ኤርትራን ሓይሊ ዋላ እንተዘይሃለዎ ግብረሽበራውያን ዝገብርዎ ስለዝኾነ ሰራዊትና ኣብኡ ዘይበፅሕሉ ኩነታት ንኽከውን ገይርና ኢና ። ምትንዃስ ዝፍትን እንተኾይኑ ግን ተመሊስና ሎሎሚ'ውን መቀለ ምእታው እኮ ንኽእል ኢና ስለዝኾነ ነቲ ዝፍትንዎ ፈተነ ድርብ ዕፅፊ እዩ ዝኸውን ምላሽና ።”

ህወሓት ብወገኑ ከም ኣድላይነቱ ስጉምትታት ከምዝወስድ ምግላፁ ዝዝከር እዩ ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ “ሕድሕድ መሬት ትግራይ ካብ ፀላእትና ነጻ ስጋብ ዝወጽእ ሰራዊትና ናብ ደቡብን ምብራቅን ከባቢታት ክቅፅሉ እዮም።" ክብሉ ንሮይተርስ ምዝርራቦም ዝፍለጥ'ዩ ።ትግራይ ንምድሓን ዝግበር ኩሉ ክንገብር ኢና ፣ኣድላይ እንተኾይኑ'ውን አዲስ አበባን ኣስመራን'ውን ክንበፅሕ ኢና ክብሉ 'ውን ገሊፆም እዮም ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ምውሳና ነቲ ጎንፂ ጠጠው ዘብሎ እንተኾይኑ ሰናይ ውሳነ እዩ ዝበለት ኣሜሪካ ኩሎም ወገናት ተዛትዮም ምቁራፅ ተፃብኦ ንኽእውጁ'ውን ፃውዒት ኣቅሪባ ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን 'ውን ነቲ ወሳነ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ኢትዮጵያ ንኢዶም ። ነቲ ዘሎ ፀገም ፖለቲካዊ ፍታሕ ከናድይሉ ሓቲቶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG