ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ክልላዊን ሃገራዊን ዛዕባታት


ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ሎሚ ግንቦት 1,2019 ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ኣድሂቦም ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገርን ወኪላት መሓውራት ዜና ወጻኢ ሃገራትን ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም።

ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ብሞት ፕረዚደንት ነበር ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳን ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ዋልታ ፖሊስ ትግራይን ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ክልላዊን ሃገራዊን ዛዕባታት ብምሃብ ኣብ ጉዳይ ኢትዮ ኤርትራ'ውን መብርሂ ሂቦም።

ኣብቲ መግለጺ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ዘድሃበ ብደረጃ ፈደራል ዝበጽሖም ዘሎ ጽቕጥታት ብፍላይ ብቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሕልፊ ተጠቂምኩም ኢኩም ዝብሉ ክርክራት ከምዘካይዱ ሓቢሮም።

ብዘይካ'ዚ ዶ/ር ደብረጽየን ኣሃዳዊ ስርዓት ንምትካል ዝግበር ርብርብ ሕጂ ኣጀንዳ እናኮነ ብምምጽኡ ኣብይ ጸገም'ዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት ከም ህዝቢ ምሉእ ሰላም ክከውን ድልየትና'ዩ ብዘይካ እዚ ኩሉ ዶባት ክፉት ኮይኑ ክልቲኡ ህዝብታት ብሓባር ሰሪሑ ክልወጥ ኢና ባህግና ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG