ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ -ፋይል
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ -ፋይል

ኣብ 2019 ዓ.ም ካብ ዝተመስረተ መድረኽ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ምግላል ግቡእ ኣይኮነን ክብል ብደረጃ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢን ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኻት ኣረዲኡ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጾም።

እቲ ጉጅለ ነዚ ምግላል ኢትዮጵያ ካብ መድረኽ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ግቡእ ኣይኮነን ክብል ዝገለጸ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሙኒክ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ደሕንነት ክኸውን ከሎ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኢትዮጵያ ማዕረ'ተን ሃገራት ጉዳይ ኣለዋ ኢሎም'ለዉ።

"ኢትዮጵያ ማዕረተን ሃገራት ኣብ መድረኽ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ ኣለዋ። ኣብዚ ቀይሕ ባሕሪን ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘለዉ ጉዳያት ንኢትዮጵያን ሃገራት'ቲ ከባቢ ብማዕረ'ዩ ዝምልከት"ኢሎም።

ኣብ ከይዲ ኣፈታትሓ ጸገማት'ዉን ግደ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ሓያልን ኣድላይን'ዩ ዝብል መልእኽቲ ተመሓላሊፉ'ሎ ዝበሉ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርኣዩ ዓበይቲ ጸገማት ዘይሕጋዊ ስደት ምዝውዋር ኣጽዋርን ሓደገኛ ዕጽን ይርከቦ ነዚ'ዉን ብሓባር ምቅላስ'ዩ ኢሎም።

ኣብቲ ናይ ሙኒክ ናይ ደሕንነት ኣኼባ ጉዳይ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን ከምዝተላዕለ ተዛሪቦም'ለዉ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብዛዕባ'ቲ ኮንግረስ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ይመኽረሉ ዘሎ HR 6600 ዝምልከት ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቀረበሎም ሕቶ'ውን እቲ HR 6600 ድሮ ዝተመለሱ ሕቶታት'ዩ ዘልዕል ክብሉ መሊሶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG