ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፊልትማን


ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪይ ፌልትማን፣ ኣብ ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ 4 ክሳብ 13 ግንቦት 2021 ዓ/ም ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለው። ኣብ ቀረባ ናብ’ቲ ዞባ ንካልኣይ እግሪ ከምዝምለሱ’ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሎሚ ዓርቢ ዝዘርገሖ መግለጺ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቀራና መንገዲ እዩ ዝርከብ ይብል: ኣብ’ዘን ዝመጻ ሰሙናትን ኣዋርሕን ዝሓልፉ ውሳነታት፣ ንህዝቢታት’ቲ ዞባን አገዳሲ ምዕባለታት ዘጋጥሙ ከምዝኮኑ ይእምት።

ኣሜሪካ ነቶም ዝተቆላለፉ ዞባዊ ቅልውላዋት ንምግጣም ቅርብቲ ከምዝኾነት፣ ምዕባለን ዝቀሰነ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንክህሉ፣ ዜጋታት ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ዘቃልሕዎ ርእይቶ ንክስማዕን መንግስቲ ንዜጋታቱ ተሓታቲ ኣብ ምግባርን ክሰርሕ እዩ ይብል።

ኣብ ትግባረ’ዚ ራኢ’ዚ፣ ሉኣላዊትን ዝሓበረትን ኢትዮጵያ መሰረት ከምዝኸውን’ውን መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ይገልጽ። እንተኾነ፣ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ እናወሰኸ ይመጽእ ዘሎ ፖለቲካዊን ዓሌታዊን ውጥረት ኣዝዩ ከምዘሻቅላ ኣሜሪካ ሓቢራ ኣላ። ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒን ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላውን ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ’ውን ይብል።

ኣሜሪካ ምስ ዓለምለኸ መሻርኽታ ተሓባቢራ ንምቁራጽ ተጻብኦ ክትሰርሐሉ እያ፣እቲ ከቢድ ኩናት ንከብቅዕ፣ ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዛት ክተቅርብን እቶም ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ገበንን ዝተሳተፉ ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ ከምዝትሰርሕ’ውን ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቅልውላው ናይ ትግራይ፣ መርአያ እቲ አብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃገራዊ ብድሆ ከምዝኾነ ንትርጉም ዘለዎ ለውጢ ዘጉለሀ እዩ ይብል ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ዝኾኑ ጀፍርይ ፌልትማን ምስ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን ካልኦት መራሕቲ ኢትዮጵያን ከምዝተላዘብሉ፣ እዞም ብድሆታት’ዚኣቶም ክፍትሑ ዝኽእሉ፣ ብኩሉ ሓቆፍ ልዝባትን፣ ንፓለቲካዊን ሰብኣዊን መሰላት ብዘኽበረን ኣብ ምክብባር ኣብ ዝተሰረተን መድረኽ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



ህላዌ ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ነዞም ዝተገልጹ ብድሆታት ፈቲሕካ ኣብ ሸቶ ንምብጻሕ ዓንቃፊ ከምዝኾነ ዝገለጸ እቲ ዜና፣ ፍሉይ ልኡኽ ጀፍርይ ፌልትማን፣ ኣብ አስመራ፣ ንፕረዚደንት ኢሳያስ አፈወርቂ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብህጽጽ ምውጻኦም ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዝገለጹሎም’ውን ጠቂሱ ኣሎ።

ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ሱዳን፣ ምስሕሓብ ኣብ ልዕሊ ዓብዪ ግድብ ኢትዮጵያ’ውን ቀንዲ ኣጀንዳታት ፍሉይ ልኡኽ ጀፍርይ ፌልትማን ከምዝነበሩ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG