ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሚ.ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንጸብጻባት ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ግፍዒታት


ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ
ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ብሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራ ተፈጺሞም ንዝተባህሉ ብሄር መሰረት ዝገበረ ግፍዒታት ብዝምልከት ብተደጋጋሚ ዝወጹ ዘለው ጸብጻባት: ሓባራዊ ሪፖርት ህዩማን ራይትስ ዎችን ኣምንስቲን ሓዊሱ ከምዘሻቅሎ ገሊጹ። ብፍላይ ድማ ውጽኢት እዞም ጸብጻባት ንዝተፈጸሙ ግፍዒታት ምስ "ምጽናት ዓሌት" ክዳረግ ከምዝኽእል ምሕባሩ ዝያዳ ከምዘሻቅሎ መግለጺ'ቲ ሚንስትሪ ይሕብር።

ብተወሳኺ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ኣሰካፊ ዝኮነ ኩነታት ብብዝሒ ይእሰሩ ምህላዎም ከምዘተሓሳሰቦ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ይገልጽ።

እቲ መግለጺ በዚ መሰረት ብከምዚ ኩነታት ዝተኣሰሩ ክፍትሑን ዝምልከቶም አካላት ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ናብዞም ናይ ማእሰርቲ ቦታታት ክኣትው ከፍቕድ ንጽውዕ ይብል።

ቀጻሊ ዝወጹ ጸብጻባት ግፍዒታት ድማ ህጹጽነት ምቁራጽ ተጻብኦ ዘረጋግጹ ምዃኖም ብምሕባር ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ዝተወስደ ስጉምቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ከምዝድግፎን ስዒቡ ዝተኻየደ ምብጻሕ ፈላማይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘሓጎሶን ገሊጹ።

ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብታ ሃገር ክወጹ ከምኡ'ውን ሰበ ስልጣን ክልል ንናይ ጸጥታ ሓይልታቶም ካብ ጎረባብቲ ክልላት ከውጽኡ ጻውዒታ ዳግማይ ኣቕሪባ'ላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ክተሓበበር`ውን ንጽውዕ ዝበለ መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኩሎም ወገናት ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝቕጽለሉ ስጉምትታት ክወስዱ፡ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ግህሰታት ብቅሉዕ ክምርመር ከፍቅዱ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ብልዝብ ክፈትሑ ዳግም ንጽውዕ ኢሉ`ሎ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኩሎም ወገናት ተጻብኦታት ከቛርጹ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት ክበጽሕ ከፍቕዱ ከምኡ'ውን ንዝተፈጸሙ ግፍዒታትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምርመራ ክካየድ ንምፍታሕ'ቲ ግጭት ልዝብ ክካየድን ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG