ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም -ፋይል
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም -ፋይል

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ ድልዉ ኣይኮነን ብምባል ሓደ ነቲ ሓደ ምክሳሶም ቀጺሎም'ለዉ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኢትዮጵያ ንኸይዲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘለዋ መርገጺ ጸኒዓ እያ ዘላ ኢሉ።

ህወሓት ብወገኑ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ ከይዲ ሰላም ብዘይቅድመ ኹነት ከም ዝቅበል ዘፍለጠ እዃ እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ናይ ህወሓት መግለጺ ዛጊት ቀጥተኛ መልሲ ኣይሃበሉን።

ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ንመርገጺ ኢትዮጵያ ካብ ምርግጋጽ ሓሊፎም ብዛዕባ እቲ ምላሽ ህወሓት ኣየልዓሉን።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምትእምማን ብዘይምህላዉ ነቲ ኹናት ሰላማዊ መፍትሒ ክርከቦ ኣይተኻእለን ክብሉ ምግላጾም ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀብ ንምግባር ሰነት ኣመሪካ ምስማዕ መሰኻኽር ኣብ ዘካየደሉ ከይዲ ዘተ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ’ውን ተላዒሉ ነይሩ። ኣቦ-መንበር ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ዝዀኑ ኣባል ሰነት ቦብ መንደዝ ሃገሮም እተርእዮ ዘላ ድርብ መለክዒታት ነቒፎም። እቶም ኣቦ-መንበር ኣብ ርእይቶኦም፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝካየድ ማዕቀብ ዝድገፍን ዝግበኦን ደኣ ይዅን እምበር፡ ሓያሎ ሰፋሕቲ ጥሕሰታት ግን ብወገን ኣመሪካ ንኡስ ኣቓልቦ ይረክብ ምህላዉ ንምሕባር፡ ንተግባራዊ ውሳነ ጸዊዖም። ቦብ መንደዝ ኣብ ዘረባኦም፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝርአ ዘሎ ሰፋሕቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኤርትራ ናይ እገዳ ስጉምታት ደኣ ትውሰድ እምበር፡ ዛጊት ዝዀነ በዓል-ስልጣን ኢትዮጵያ በቲ ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣዊ ህልቂት እገዳ ክግበረሉ ዘይምኽኣሉ ኣመና ዘተሓሳስብ’ዩ ኢሎም።

ብኻልእ ዜና ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለዉ ዑደት ብዝምልከት ክልቲአን ሃገራት ዝተፈላለየ ስምምዕ ከምዝገበራ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ገሊጾም'ለዉ።

XS
SM
MD
LG