ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ማይክ ፖምፐይ ኣብ ሽልማት ኖበል ሰላም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ


ሚንስተር ጉዳያት ኣሜሪካ ወጻኢ ማይክ ፖፐይ
ሚንስተር ጉዳያት ኣሜሪካ ወጻኢ ማይክ ፖፐይ

ኣሜሪካ ቀዳማይ ሚንስትር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ መበል 100 ተሸላሚ ኖበል ሰላም ብምዃኖም እንኳዕ ሓጎሰኩም ትብል። ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ሰላም ኣብ ምፍጣር ዘለዎም ተወፋይነትን ምስ ኤርትራ ዝነበረ ግጭት ንምዝዛም ዝወሰድዎ ስጉምቲ ትብዓት: ብርታዓ :መሪሕነት ዘርእይ'ዩ። ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመ ድማ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣህጉር ኣፍሪቃን ብምዃን ክንጽብል ኢና።

ሎሚ ብተስፋን ዝተመልኣ ሓድሽ ወለዶ ኣፍሪቃዊያን ንብልጽግናን መጻኢ ሰላም ይረአ ኣሎ። ናይ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ጻዕርታት ንሰላምን ምሕያል ዲሞክራሲን ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ንመራሕቲ ሃገራት ዓለም ኣብ ዞባታቶምን ሃገራቶምን ል ኡኻት ኣወንታዊ ለውጥ ክኾኑ ዘበራትዕ'ዩ። ኮሚተ ሽልማት ኖበል ድማ ቀ/ሚ ኣብይ ኩናት ኣብ ዓለም ከብቕዕን ሰላም ኣብ ምስፋንን ዘካየድዎ ጻዕርታት ኣፍልጦ ምሃቡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ማይክ ፖፐይ ንኢዶም።

XS
SM
MD
LG