ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ምርጫ ኢትዮጵያ


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብልንክን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ "ዴሞክራሲ ዝዕምብብ፣ ኩሉ ሓቆፍ፣ ግልጺ፣ ተሓታታይነትን ንሕቶ ህዝቢ መልሲ ዝህቡ ትካላት ምስ ዝህልዉን እዩ" ኢሎም።

መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ"ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና፣ ኣብ’ቲ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ዝተካየደ ምርጫ ንናይ ምምራጽ መሰሎም ዝተጠቀሙ ኢትዮጵያዊያን ንንእድ" ይብል ። እንተኾነ "ምርጫ ምክያድ በይኑ ምልክት ዴሞክራሲን ሓቀኛ ፖለቲካዊ ለውጢ ማለት ኣይኮነን።"

"21 ሰነ,2021 ምርጫ ዝተካየደ፣ ኣብ እዋን ከቢድ ዘይቅሱን ሃዋሁ እዩ፣ ዓሌታዊን ህዝባዊን ውግኣት ኣብ ዝካየደሉ እዋን፣ ንኩሎም ኢትዮጵያዊያን ነጻን ርትዓዊን ምርጫ ኣብ ዘይኮነሉ መድረኽ እዩ። ተቃወምቲ ፓርቲታት ካብ’ቲ ምርጫ ንገዛእ ርእሶም ዘግለሉሉ፣ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣብ ዝተኣሰርሉ ጊዜን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ግጭታት ኣብ ዝቀጸለሉ እዋን ምክያዱ፣ እቲ ንሉኣላዊነትን ሕብረትን እታ ሃገር ከኽብር እየ ዝብል መንግስቲ፣ ኩሉ ሓቆፍን ሃገራዊ ስምረትን ንከረጋግጽን ሓላፍነት ዘሰክሞ እዩ" ይብል ።

ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሞንጎኦም ይዓቢ ንዘሎ ምክፍፋል ንክቆጻጸሩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ፣ ፖለቲካዊያንን መራሕቲ ማሕበረሰባትን፣ ንግጭት ክኹንኑን ንካልኦት ናብ ግጭት ምዕዳም ከወግዱን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። ኣሜሪካ፣ ንድህረ ምርጫ ልዝብ፣ ግጭታት ንክፍትሑን ሃገራዊ ዕርቂ ንክብጻሕን ክትሕግዝ ቅርብቲ እያ። ነቲ ኣብ ትግራይ ይቅጽል ዘሎ ውግእ፣ ግጭትን ጥምየት ዝመስል ጸገምን ንምፍታሕን ናብ ምቁራጽ ተጻብኦ ንምብጻሕ፣ ወትሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጹ፣ ዝተፈጸሙ ግፍዒታት ብግልጺ ንክጻረዩ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይዕንቅፋት ንክባጽሑ ከምዝግባእ’ውን መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ መግለጺ ነቲ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ጽምዶ ክንቅጽሎን ኩሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ ሱታፌ ንክረጋገጽን፣ ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ዴሞክራሲን ሃገራዊ ሓድነትን ክትበጽሕን ዝግበሩ ጻዕሪታት ክንሕግዝ ኢና ይብል ።

XS
SM
MD
LG