ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኢትዮጵያ


ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ

ቤት ጽሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ዝሃቦ መግለጺ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ በይንኣዊ ውሳነ ምቍራጽ ተጻብኦታት:ዝድገፍ ምዕባለ ኰይኑኣብ ባይታ ድማ ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ግጭት ከዝሕል፣ ክወርድ ንዝጸንሐ ቅትለታትን ሰብኣዊ ግፍዕታትን ክወግድ ዝኽእል፣ ብቐንዱ ድማ ንዝሕተት ሰብኣዊ ሓገዝ ማዕጾ ዝኸፍትን’ዩ። ኣብ ባይታ ዝከይድ ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ንከታተሎ ኣሎና። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ነቶም ኵላቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት፡ ብቕልጡፍ ኣብ መኣዲ ዘተ ቀሪቦም፡ ኲናት ዘወግዱሉ ውሕስነት ሰላም ትግራይ ዘረጋግጹሉን ሉኣላውነትንን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘውሑስሉን መገዲ ከናድዩ ንጽውዕ።

ሕጂ’ውን ንዅላቶም ኣብዚ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ብኣህጉራዊ ውዕላት ተቐዪዶም፡ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንሰላማዊ ህዝቢ ከፍቅዱ፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩን ንጽውዕ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ክወጽእን ምውጻኡ ድማ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽን ንጠልብ። እዚ ድማ ቀንዲን ወሳኒን ንነባሪ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ምዃኑን ንኣምን።

ሕጂ ልዕሊ ኵሉ እንሰርዖ ኣብ ባይታ ዘሎ ዘሰክፍ ሰብኣዊ ኵነታት’ዩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰበ ስልጣን ትግራይ: ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ቅልጡፍ ናይ መግቢ ሓገዝ ነቶም ኣስታት 900 ሽሕ ብጥሜት ተጠቒዑ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ ክተሓባበር ምዃኑ ድልውነቱ የረጋግጽ።ስለዚ ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍመስመራት መራኸቢታት ቴሌፎን ትግራይ ክመለስን ዘይተገደበ ናይ ምንቅስቓስ ፍቓድ ክህብ፣ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝህባ ትካላት ድማ ውሕስነት ጸጥታ ከረጋግጽን ንጽውዕ።

ሰነ 29,2021

XS
SM
MD
LG