ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ


ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "ተግባር ህወሓት፣ ንትዕግስቲ ፌደራል መንግስቲ ከምፈተኖን፣ ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ ንክሰጋገር ይደፍኦ ኣሎ" ክብል ኣጠንቂቁ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሎሚ ዓርቢ ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለጺ "ህወሓት ንሞት እቶም ጋሻ ክኾኑ ዝተጠቀመሎም ኣሻሓት ቆልዑ ተሓታቲ ክኾን ኣለዎ" ይብል።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ " መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ኩነታት፣ ነባሪ ፍታሕ ንምምጻእ፣ ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን፣ ነገር ግን፣ ህወሓት ንዝቀጸሎ ውግእ፣ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ንምስፋሕን ነታ ሃገር ናይ ምፍራስ ምንቅስቃስ ግብረ መልሲ ንምሃብ ይግደድ ኣሎ" ይብል ።

ትካል ዜና ፈረንሳ ዝጠቀሶም ኣቶ ጌታቸው ረዳ "ክሳብ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ረድኤት ተነቢሩ ዘሎ እገዳን ከበባን ዝላዓል ተዋጋእቶም ካብ ጎረባብቲ ክልላት ከምዘይወጹ" ምግላጾም ተፈሊጡ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG