ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ


አምባሳደር ዲና ሙፍቲ
አምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጉዳይ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክምለስ ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ምውሳኑ ናይ ኢትዮጵያ ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት እዩ ኢሉ።

ወሃቢ ቃል`ቲ ሚኒስትሪ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ካልኣይ ምምላእ ግድብ ህዳሰ ምስተዛዘመ፡ ግብፅን ሱዳንን ናብ ምትሕብባር ክምለሳ እየን ኢሉ።

ኣብ ከይዲ ዝርከብ ምምላእ ማይ ናይቲ ግድብ ምስተዛዘመ ግብፅን ሱዳንን ገፀን ናብ ምትሕብባር ክምለሳ እየን ዝበሉ ኣማባሳደር ዲና ድሕሪ ሕዚ ናይቲ ግድብ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣይወስዱዎን ኢሎም።

እቶም ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ተፋሰስ ናይል ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ናብ ናይ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ምኻዱ ትኽክል ከምዘይኮነ ኣብ ምርድዳእ ምብፅሑን ዓረብ ሊግ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ክኽየድ ምግባሩ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዎ ንዕቐት ዘርኢ ምዃኑ እቶም ኣምባሳደራት ገሊፆም ኢሎም ።

ንጉዳይ ክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንምብራር ናይ ኣየር ክልል ምሉእ ብምሉእ ተፈቒዱ ኣሎ ዝበሉ ኣምባሳደ ዲና ሙፍቲ እተን ነፈርቲ ክወፃን ክኣትዋን ከለዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍተሻ እየ ኢሎም።እቲ ተፍቲሽ ካብ ነፈርትን ብተወሳኺ ንመካይንን ውልቀሰባትን ከምዝሓውስ እውን ሓቢሮም።

ምስ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ብዝተኣሳሰረ ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ ዘቐመጦ ቅድመ ኩነት ተቐባልነት የብሉን ኢሎም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ኤምባሲታቱ ከምዝንኪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ድሕሪ ምግላፆም ኤምባሲታት ይዕፀው ከምዘለው ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይውረ ዘሎ ሓሶት እዩ ኢሎም ።ብናይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተግባራት ብምምሕያሽ ዝዕፀፉ ኤምባሲታት ከምዝህልው ግን ሓቢሮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:24 0:00


XS
SM
MD
LG