ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ህልው ኩነታት


ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ትሕቲ ናይ ህወሓትን ዓለም-ለኸ ሚድያ ናይ ፕሮፓጋንዳ ወፍሪን ይወድቕ ኣሎ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብግጉይን ኣብ መሬት ንዘሎ ሓቂ ብዘየንጸባርቑ ጸብጻባትን ኣዕለቕሊቑ`ሎ ዝበለ መግለጺ ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ እቶም መራኸቢ ብዙሃን ንመንግስቲ ንምውንጃል ዝገብርዎ ጸደፍደፍ ድማ ህወሓት ኣብ ማይካድራ ዝፈጸሞን ብዝተወደበ ደረጃ ዝደገፎን ቅትለታት ንምሽፋን`ውን ዘጠቓለለ`ዩ ኢሉ`ሎ።

ኣተሓሒዙ ደገፍቲ ህወሓት ዝኾኑ ዓለም-ለኸ ሚድያታት፡ ህወሓት ንዳርጋ 30 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝፈጸሞም ብቓላት ንምግላጽ ዘጸግሙ ገበናት ኮነ ኢሎም ክሸፋፍኑ ይፍትኑ`ለዉ ይብል።

ንሲቪላት ከም መከላኸሊ ድፋዕ ንመንበሪ ገዛውቶም ድማ ከም መሕብኢ ንምጥቃም ድሕር ምስ ዘይብል ጉጅለ ዝግበር ውግእ፡ ዘይተደለየ ኩነታት ከስዕብ ከምዝኽእል ደጋጊምና ተዛሪብና ኢና ዝብል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሞት ሰለማውያን ሰባት ዓሚቕ ሓዘን ከምዝስምዖ ገሊጹ`ሎ።

ተፈጺሞም ዝተባህሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ንኽምርመሩ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ መሰላትን ዝተበጽሐ ስምምዕ`ውን መንግስቲ ብዕቱም ዝጥምቶ ምዃኑ ምስክር`ዩ ኢሉ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ናይ ህወሓት ጸገም ናይቲ ገበን ፈላሚ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ሓቂ ኣጣሚሙ ብምቕራብ ብሓሶት ብዝተቐነባበሩ ምስልታት ናይ ፈጠራ ዜናታት ብምብታን ንዓለም ምድንጋሩ ቀጺሉ`ሎ ይብል ። እቲ መግለጺ እቲ ዘሕዝን ግን ዓለም-ለኸ ሚድያታት፡ ናይቲ ጉጅለ በደል ዘይተረድኦም መሲሎም
ነዞም ብህወሓት ዝቐርቡ መረዳእታታት ንጸብጻቦም ምጥቃም ምቕጻሎም`ዩ ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዚ እዚ ጸብጻባት`ዚ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭብጢ መሰረት ክኸውን ኣይክእልን`ዩ ኢሉ`ሎ ። ኣስዒቡ ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝወጸ ሓዲሽ መግለጺ እኳ ደኣስ ነቲ ሓላፍነት ዘይስምዖ ጉጅለ ህወሓት ተሓታቲ ምግባር ምተገብአ ኢሉ ።

XS
SM
MD
LG