ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ብምክንያት ዝኽሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ


መንግስቲ ኤርትራ ብምኽንያት ሎሚ ዝዝከር ዘሎ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ "ኤርትራ ካብ ሰሃሮ ውግእን ወረ-ውግእን ተገላጊላ ፡ ኣብ ሰላማዊ ህንጸት ከተድህብ ባብ ዘርሓወ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም `ዩ" ኢሉ።

"ትማሊ ጸላእቲ ዝነበራ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሎሚ መሓዙት ኮይነን ኣብ ክንዲ ሓድሕደን ንምጥቃዕን ንምድኻምን ዝሰርሓ፡ ብሓባር ይመኽራን ተሓጋጊዘን ይዓያን ኣሎዋ፥ ኣብ ደንበ ተጻባእቲ ተሰሪዓን ዝነበራ ሱዳንን ሶማልን`ውን ምስ ኤርትራ ይተሓጋገዝ ኣለዋ" ዝበለ እቲ መግለጺ:."ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንክልቲኤን ሃገራትን ህዝብታትን ከምዘርብሐ ዘይከሓድ ኮይኑ፥ ከምቲ ተስፋን ትጽቢትን ዝተገብረሉ ከምዘይሰጎመ ዘይከሓድ እዩ`ዩ ኢሉ`ሎ። ክልተ ዓመት ድሕሪ'ቲ ስምምዕ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገና ኣብ ልኡላዊ መሬት ሰፊሩ ኣሎ ኢሉ።

ክልተ-ዓመት፡ ብተዛማዲ ሓጺር ግዜ'ዩ ዝበለ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ፥ ኢትዮጵያ ድማ ብኣዝዩ ጽንኩር፡ ዝተሓላለኸ መሰጋገሪ መድርኽ'ያ ትሓልፍ ዘላ ፥ መስርሕ ሰላም ዓንዩ፡ ክልትኤን ሃገራት ናብ ግጭት ክምለሳ ዝሓልሙን ዝሰርሑን ወገናት ድማ ኣለዉ ኢሉ`ሎ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ናይ ጽባሕ መደብ ተኸታተሉ።

XS
SM
MD
LG