ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ምርጫ ማላዊ

ማላዊ ድሕሪ ን 13 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ከይዲ መረጻ ኣብ መወዳእታ ሓዱሽ ፕረዝዳንት ሸይማ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ብዝተኻየደ ዳግመ መረጻ'ዩ መራሒ ተቃ፟ዋሚ ፓርቲ ዝኾኑ ላዛረስ ቻክዌራ ኣብ ስልጣን ንዝነበሩ ፕረዚደንት ፒተር ሙታሪካ ብ58 ሚእታዊ ዝሰዓርዎም።

እቲ ናይ መጀመርታ መረጻ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጉንበት 2019 ዝተኻየደ እንተነበረ ፤ፕረዝደንት ሙታሪካ ብዝጸበበ ድምጺ ከምዝተዓወቱ ብምግላጽ ቻክዌራ ድማ ካልኣይ ተባሂሎም እዮም ። እንተኾነ ግና ቻክዌራ በቲ ውጽኢት ብዘይምስምመዖም ናብ ሕገ መንግስታዊ ቤትፍርዲ ማላዊ ወሲዶሞ 'ዮም ። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ እዋን መረጽ ዘይሕጋዊ ኣካይዳታት ከምዝነበሩ ድሕሪ ምርግጋጽ ኣብ 2020 ወርሒ ለካቲት ክካየድ ወሲኑ እዩ።

ማላዊ ኣብ ኣፍሪካ ስሸፈጥ መረጻ ተተሓሒዙ ዳግመ መረጻ ፕረዝዳንት ዘካየደት ።ኣብ 2017 ኣብ ኬንያ ከምዝተኻየደ እቲ ርእሰዓንቀጽ የዘኻኽር።እቲ ኣብማላዊ ዝተኻየደ ዳግመ መረጻ ተገዛእነት ሕግን ትግባረ ዴሞክራሲን ዘርኣየ ክብሉ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ ማይክ ፓምፓዮ ኣድኒቆሞ'ዮም።

''ህዝቢ ማላዊ ንላዛረስ ቻክዌራ ፕረዚዳንቱ ክኾኑ መሪጽዎም እዩ ።ኣብ ኣፍሪካ ዝተሸፈጠ መረጻ ብፍርድቤት ክስረዝን ኣብ ዳግመ መረጻ ተቃ፟ዋሚ ፓርቲ ከሸንፍን ንኻልኣይ ግዘ እዩ።እዚ ኣዚዩ ታሪኻዊ ለውጢ እዩ ንህዝቢ ማላዊ ኢሎም ።

ፕረዚደንት ቻክዌራ ቃለ መሓላ እንትፍጽሙ ከምዝበልዎ እዚ መረጻ ፍትሕን ዴሞክራስን ዝተረጋገጸሉ ክብሉ ገሊጾሞ እዮ። ወሲኾም ንባዕሎም ልዕሊ ሕጊ ከምዘየቀ፟ምጡን መርኣይኡ ድማ በቢ ዓመቱ ዘለዎም መጠን ውልቀ ሃፍቶም ንህዝቦም ዕላዊ ከምዝገብሩ፣ ኣብ ፓርላማ ሃገሮም ቀሪቦም ብዛዕባ ኣካይዳ ምምሕዳሮም ክሕተቱ ዝገብርን ከምኡውን ስልጣን ፕረዝዳንት ተቀኒሱ ዝተፈላለዩ

ትካላት ንፓርላማን ቢሮ ጸረግዕዝይናን ሓዊሱ ብዘይ ጸቅ፟ጢ ንክሰርሑ ባይታ ክተዓራረ ክሓትት እየ ኢሎም።

እቲ ረሰዓንቀጽ ኣብ መወዳእታ እዚ ማላዊ ናብ ዘሐሸ ዕብየት፤ተሓታትነት መንግስትን ነጻነትን ከተምርሕ ባይታ ዘመዓራረየ እዩ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG