ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየዶ ሓገዝን ዳግመ ህንጸትን


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘካይዶ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝን ዳግመ ህንጸትን ንኣህጉራዊ ገበርቲ ሰናይ ትካላት: ኣምባሳደራትን ከምኡ ንኣካላት ሕቡራት ሃገራት መብርሂ ሂቡ።

ኣብ መጥቃዕቲ ደቀንስትዮ ተሳቲፎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ 60 ኣባላት ፖሊስን ምክልኻልን ስጉምቲ ከምዝተወስደ`ውን ሓቢሩ።

ነቲ መብርሂ ዝመርሐ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጾም ዝነበሩ ኣገልግሎታት ናብ ዝነበርዎ ንምምላስ ብርክት ዝበሉ ዕዉታት ተግባራት ምፍጻሞም ሓቢሩ።

ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ድማ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ብናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ብሓባር መርመራ ይግበር ከምዘሎ ኣቶ ደመቀ መኮነን ጠቒሱ።

"ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ኩሎም ኣካላት ብግልጽን ብተሓታቲነትንን ክሰርሑ ኣለዎም። ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ብሓባር ምስራሕ ጀሚሮም ኣለዉ። ብዓወት ክዛዝሙ ድማ ምቹእ ኩነታት ተፈጢርሎም ኣሎ። ካብቲ ውጽኢት መርመራ ብምብጋስ ስጉምቲ ክውሰድን በደልቲ ተሓተቲ ክኾኑን ኢና ንደሊ። ንጠቕላሊ ዓቀቢ-ሕግን ፖሊስን ምስጋና ይግብኦም`ዩ- እቲ ዝበጽሕዎ ሪፖርት ንዓለም-ለኸ ማሕበረሰብን ንዝተፈላለዩ ትካላትን ብወግዒ ሓቢሮም ኣለዉ።ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ሕጂ'ውን ስርሖም ቀጺሎም ኣለዉ።"

ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈርያት ካሚል ብወገና፡ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ 4 ሚልየን ዜጋታት ኣብ ካልኣይ ዙርያ ድማ 4.9 ሚልየን ዜጋታት ረድኤት ከምዝበጽሖም ጠቒሳ። ኣብቲ መስርሕ ገለ ኣባላት ፖሊስን ምክልኻልን ብጥሕሰት መሰላት ተሓተትቲ ኮይኖም ከምዘለዉ`ውን ሓቢራ። ግዳያት መጥቃዕቲ ዝኾና ደቀንስትዮ ኣብ ሓሙሽተ ማእከላት ኣገልግሎት ይረኽባ ከምዘለዋ`ውን ሓቢራ ።

ንሳ ወሲኻ ኣብ ክልል ትግራይ እቲ ዝድለ ውጽኢት ንምምጻእ ናይ ዓለም-ለኸ ትካላትን መሻርኽቲ ሃገራትን ድጋፍ ወሳኒ ብምባል`ውን ኣብቲ ስራሕ ክደጋገፉ ጻዊዒት ኣቕሪባ።

XS
SM
MD
LG