ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወሃቢ ቃል ህወሓትን


መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወሃቢ ቃል ህወሓትን
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:56 0:00

መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወሃቢ ቃል ህወሓትን

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዳግማይ ዝተላዕለ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ምክልኻል ዝዘለለ ናይ ምጥቃዕ ስጉምቲ ኣይጀመረን ክብል ገሊፁ።

ብኻልእ ወገን ድልየት መንግስቲ ክልል ትግራይ እቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ እዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ብሰንኪ ዳግም ዝተላዕለ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ነበርቲ ከተማ ወልዲያ ይመዛበሉ ከምዘለው ተፈሊጡ ኣሎ።

ሎሚ ሰሉስ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር መግለፂ ዝሃቡ ምክትል ሚንስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣቶ ከበደ ዴሲሳ ህወሓት ከፊቱዎ ንዝበሉዎ መጥቓዕቲ ኣብ ምክልኻል ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ሕጂ'ውን ንሰላም ድልው ምዃኑ ብምግላፅ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ተፅዕኖ ክገብር ሓቲቶም።

ብኻልእ ወገን ሰበስልጣን ህወሓት ኣቐዲሙ መጥቓዕቲ ዝፈፀመ ሰራዊት ምክልኻል ፌደራልን ሓይልታት ኣምሓራን ምዃኖም ምግላፆም ይዝከር።

ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፍያለው ውግእ ኣቐዲሙ ዝኸፈተ ህወሓት ስለዝኾነ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምምካት እዮም ዝርከቡ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እቲ ኵናት ኣብ ዝተኻየዱሎም ከባቢታት ዝነበሩ ሰላማዊያን ሰባት ድልየቶም ሰላም ምዃኑ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብምርመራ ምርግጋፁ ምኽትል ዋና ኮሚሽነር ራኬብ መሰለ ገሊፃ።ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ግጭት ንድሌት ማሕበረሰብ ቀዳምነት ክህቡ ወሲኻ ፀዊዓ።

እታ ኮሚሽነር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ፈፂሙዎ ብዝተባህለ መጥቓዕቲ ዝወረደ ጉድኣት ከምኡ'ውን ሓይልታት ህወሓት ኣብ ቆቦ ኣብ ልዕሊ ስቪላት መጥቓዕቲ ከምዝፈፀሙ ዝወፁ ፀብፃባት መረዳእታ ይእክብ ከምዘሎ ወሲኻ ገሊፃ።

ዋላ'ኳ ካብ ወሽጢ ሃገርን ዓለምለኸ ትካላትን ናይ ሰላም ምሕፅንታ ይቐርቡ እንተሃለወ ዳግም ዝተወልዐ ኵናት ኣብ ክንዲ ምህዳእ በብመዓልቱ እናገደደ ይኸይድ'ሎ።

ብኻልእ ወገን ድልየት መንግስቲ ክልል ትግራይ እቲ ጎንጺ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ`ዩ ክብል ወሃቢ ቃል-ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንማዕከናት ዜና`ቲ ኽልል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ብሰንኪ ዳግም ዝተላዕለ ኵናት ነበርቲ ዋና ከተማ ዞባ ሰሜን ወሎ ዝኾነት ወልዲያን ቆቦን ናብ ከተማታት ደሴን ሃይቅን የምርሑ ከምዘለው ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦ ገሊጾም።ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ሓደ መምህር ዩኒቨርስቲ ወልዲያ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ከምዚ ይብል።

"ኣብ ከባቢ ወልዲያ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ፀገም ካብ ወልዲያ 45 ኪሎ ሜትር ብእግረይ ተጓዒዘ ሕጂ ስድራይ ናብ ዝርከብሉ ከተማ ደሴ ብመኪና ይጉዓዝ ኣለኹ።"

ካብ ከተማ ወልዲያ ድምፂ ከቢድ ብረት ከምዝስማዕ ዝገለፀ እዚ መምህር ዩኒቨርስቲ ወልዲያ ተማሃሮን መምህራንን እቲ ዩኒቨርሲቲ ብብዝሒ ይወፁን ብእግሮም ናብ ስድርኦም ይኸዱን ኣለው ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ ነዊሕን ዘድክም ጉዕዞ እግሪ ከምዝገበረ ይሕብር።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሰለስተ እግረን ባጃጅን ነኣሽቱ መጎዓዚያን ህዝቢ ግቡኡ ዘይኮነ ዋጋ የኽፍሉ ከምዘለው ገሊፆም።ካብ ወልዲያ ናብ ደሴ ባጃጅ 1,500 ብር ከምዘኽፍሉ ወሲኹ ገሊፁ።

ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ከይድገም ኣብቲ ህዝቢ ስግኣት ኣሎ እውን ኢሉ ።

ካብ ቆቦ ናብ ደሴ ተመዛቢሎም ዝመፁን ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩን ሓደ ወሃቢ ርእይቶ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ይዝራጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ሓቂ ዘይጠዓዐም እዩ ይብል።

"ሓቂ ንምዝራብ እቲ ዘሎ ሓቂ ዘይተቖራረፀ ናይ ቴሌፎን ርክብ እውን ስለዘሎ ሰባት እውን እናደወሉ እዮም።ኣብ ውሽጢ ከተማ ቆቦ ሓይልታት ትግራይ ከምዘለው ቅድሚ ስዓታት ስልኪ ተደዊሉለይ እቲ ሓበሬታ ኣለኒ።"

እቲ ወሃቢ ርእይቶ ዝተዛብዐ ሓበሬታ ነቲ ህዝቢ ንጉድኣት የቓልዖ ኣሎ ኢሉ።ፅንፊ ሒዞም ብኽልተ ጫፍ ዝካየድ ዘሎ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ወፍሪ ብህይወትን ንብረትን ሰባት ይፃወቱ እዮም ዘለው ኢሉ።ቆቦ ኣብ ኢድ መንግስቲ እያ ትርከብ ዝብል ሓበሬታ ካብ ዝዝርጋሕ ጀሚሩ ብዙሓት ዝተመዛበሉ ሰባት ብእግሪ ንምምላስ ጉዕዞ ጀሚሮም ነይሮም ኢሉ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ወልዲያ ተማሃሪት ቀዳማይ ዓመት ዝኾነት ኣዜብ ክፈለው ብሰንኪ ስግኣት ብእግራን ብመኪናን ተጓዒዛ ሃይቅ ከምዝኣተወት ትዛረብ።

"ኣብ ዩኒቨርስቲ ወልዲያ እናተመሃርና ከለና ናይቲ ከባቢ ሰላም ኣዚዩ ዘስግእን ክንምሃር ዘየኽእለና እናኾነ ብምምፅኡ ክንወፅእ ተግዲድና ኣለና።ክሳብ መርሳ 30 ኪሎ ሜትር ብእግሪ ተጓዒዝና።"

ኣብቲ ጉዕዞ ተማሃሮ እናሓመሙን እንዳተኸላበቱን ብከቢድ ፀገም ከምዝበፅሑ ትዛረብ። ዝሓለፈ ዓመት እውን ብተመሳሳሊ ትምህርታ ከይወድአት ከምዝወፀት ብሓዘን ትዛረብ። ኣዜብ ካብ ጂንካ ከምዝመፀት ትገልፅ ።

ብዛዕባ እዚ ካብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ከንቲባ ከተማ ወልዲያ ዶክተር ዳዊት መለሰ እቲ ከባቢ ሰላም ምዃኑ ብምሕባር እቲ ህዝቢ ክረጋጋእ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። መንግስታዊ ወሃብቲ ኣገልግሎት ብኽፊል ኣገልግሎት ይህቡ እንተሃለው እውን ብኽፊል ድማ ጠጠው ከምዘበሉ ወሃቢ ርእይቶ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።እቶም ከንቲባ እውን ነዚ ኣረጋጊፆም ኣለው።ክኸፍቱ ግን መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎም ኣለው ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምምሕዳራት ከተማታት ወልዲያን ደሴን ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ምእዋጀን ተፈሊጡ ኣሎ።ሰባትን ተሽከርከቲን ድሕሪ ምሽተ ስዓት 1:00 ምንቅስቓስን ካብ ዝተፈቐደሉ ሓይሊ ፀጥታ ወፃኢ ብረት ሒዝካ ምንቅስቃስን ኸልኪለን ኣለዋ።ምኽኑይ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ እውን ኣይክኣልን ክብል እቲ ኣዋጅ ገሊፁ ኣሎ።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ 21 ነሓሰ 2014 ዓ\ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ህልቂት ህዝቢ ንምውጋድ ሓይልታት ምክልኻል ካብ ከተማ ቆቦ ብምንስሓብ ንድሕሪት ተመሊሱ ንምክልኻል ዘኽእሎ ወታሃደራዊ ትሕዝቶታት ክሕዝ ከምዝተገደደ ሓቢሩ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG